Thursday, July 30, 2015

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ጥሪቶም ሒዞም ካብ ካልእ ዞባ ንዝመፁ ሓረስቶት ይሰጉዎም ብምህላዎም ኣብቲ ከባቢ ሓያል ወጥሪ ነጊሱ ምህላዉ ምንጭታትና ገሊፆም።



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ፀፀርን ከባቢኣን ዘለዉ ኣመሓደርትን ካድረታትን ገዛኢ ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ፣ ካብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ምስ ጥሪቶም ሒዞም ኣብ'ቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ነፃ መሬት ጥሪቶም ከብልዑን ሓሪሶም ንግዝኡ ክጥቀሙን ንዝፈተኑ ሓረስቶት፣ ኣምሓደርቲ እታ ወረዳ ምልሻን ካልኦት ልኡዃትን ኣዋፍሮም ምስጓግ ብምጅማሮም ብዝተወለዐ ባእሲ፣ ኣብ'ቲ ከባቢ መዕለቢ ዘይረኸበ ወጥሪ ነጊሱ ከም ዘሎ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 
እቶም ሓረስቶት ቅድም ሕዚ ናብ'ቲ ከባቢ ኣብ እዋን ክረምቲ እናኸዱ ነቲ ብዘይ ሓደ ረብሓ ዝባኽን ናይ ሕርሻ መሬት ሓሪሶም ይጥቀሙን ጥሪቶም የህጥሩን ከም ዝነበሩ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብ ሎሚ በፂሖም ኣመሓደርቲ ናይ'ቲ ከባቢ ክንድ'ዚ ዝኣክል ትኹረት ሂቦም መሬት ዓድና ልቐቑልና ምባሎም ነቶም ሓረስቶት ኣዚዩ ስለ ዘተሓሳሰቦም፣ ካብ ሃገርና ኢትዮጵያ ሓሊፍና ድኣ ናበይ ክንከይድ ብምባል ኣይንለቅቕን ስለ ዝበሉ፣ ኣብ ሞንጉኦም መፍትሒ ዘይረኸበ ከቢድ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።