Thursday, July 30, 2015

ሓረስቶት ወረዳ እንደርታ ብምምሕዳር ክልል ትግራይ መሬቶም ይምንጠሉ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብታ ወረዳ ሓቢሮም።



ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለፅዎ ኣብ ወረዳ እንደርታ ዝርከቡ ሓረስቶት ንብዙሕ ዘበናት ብሕጋዊ መንገዲ ተዋሂብዎም ክጥቀምሉ ዝፀንሑ መሬቶም ብምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ኣግባብ ወፃኢ መሬቶም ይምንጠሉ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ካብ 7 ሓምለ  2007 ዓ/ም ጀሚሩ ግን እቲ መሬት ንኢንቨስትመንት ክንዕድሎ ኢና ብምባል ንሓደ ካሬ ሜትር ብ16 ብር ብምኽፋል እቶም ሓረስቶት መሬቶም ክምንጠል  ይግበር  ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  እቶም ኣብ ወረዳ እንደርታ ዝነብሩ ሓርስቶት ዝተመንጠልዎ መሬቶም  ኣብ ከባቢታት ላጪ፤ ገምበላ፤ ሰራዋትን ኣሸጎዳን ዝርከብ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ላጭን ገምበላን ዝርከብ ልዕሊ 12 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን መሬት ንመስፍን ኢንጅነሪንግ ከም ዝተወሃበ ኣብ ከባቢ ሰራዋት ዘሎ መሬት ድማ ንዲያስፖራ መስርሒ ገዛውቲ ተባሂሉ ካብ ድኻታት ሓረስቶት ዝተመንጠለ ኮይኑ። ኣግባብነት ብዘይብሉ መሬትና ኣይንህብን ዝበሉ ሓረስቶት ድማ ከም ዝተኣሰሩ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ካብ’ቶም መሬትና ኣይንህብን ብምባሎም ጥራይ ብሓላፊ መሬትን ከባቢን ናይ’ታ ወረዳ ብታደሰ ተኽላይ ዝተብሃለ ካድረ ህወሓት-ኢህወዴግ ካብ ዝተኣሰሩ፦ ሃለቃ ምላው ሙሩፅ፤ አይተ ታፈረ ሓጋዝን ወ/ሮ ሸፈና መናስቦን ካልኦትን ዝተብሃሉ ከም ዝርከብዎም ገሊፁ።