Friday, April 24, 2015

ገዛኢ ስርዓት ምስ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ብዝፈጠሮ ባእሲ ምኽንያት። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣብ ከባብታት መተማን ቋራን ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕፃዎም ምንጭታት ገሊፆም፣



     ከም ኣገላልፃ ምንጭታትና። ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ክፍጠር ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ዝወለዶ ግጭት። ካብ ክልትኡ ወገን ብርክት ዝበለ ህይወት እናጠፍአ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። ኣብዚ ሕዚ እዋን እዉን ኣብ ሞንጎ ናይ ክልቲኡ ሃገር ወተሃደራት ተመሳሳሊ ግጭት ብምዉልዑ ኣብ ከባብታት መተማን ቋራን ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ጠጠዉ ኣቢሎም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣
    ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ዉጥረት ነጊሱ ብምህላዉ። ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ካልእ ከባብታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራቱ ብ2 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ናብ ባህርዳር መሰልጠኒ ማእኸል መኮድ ኣእትዩ። እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ምኽሪ ክህቦም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ከተማታት ጎንደር፤ ዳንሻን ሑመራን ብተጠንቀቕ ከም ዘስፈሮም ተፈሊጡ፣