Thursday, July 30, 2015

ህዝቢ ከተማ መቐለ በስንኪ ዝበፅሖ ዘሎ ዘይሙዑሩይ ኣከፈፍላ ግብሪ ሰለማዊ ሰልፊ ክንወፅእ ኢና ኣብ ዝበልሉ ቅሬታኹም ብፅሑፍ ኣቕርቡ ክብሉ ካድረታት እቲ ስርዓት ከም ዘገደድዎም ተፈሊጡ።



ምንጭታትና ካብታ ከተማ ከም ዝሓበርዎ ህዝቢ ከተማ መቐለ ብሰንኪ ዝበፅሖ ዘሎ ዘይምዑሩይ ኣከፋፍላ ግብሪ ነዚ ኣግባብ ዘይብሉ ኣሰራርሓ ንምቅዋም ዓበይቲ ሽማግለታት ናብ ቤት ፅሕፈት ዞባ መቐለ ብምኻድ ግብሪ ካብ ዓቅምና ንላዕሊ ኮይንና ኣሎ ነዚ ንምኽፋል ዓቅሚ ከም ዘይብልና ብሰላማዊ ሰልፊ ክንገልፅ ይፈቐደልና ክብሉ ሕቶ ኣብ ዘቅርብሉ ግዜ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ጥርዓኖም ብፅሑፍ ክሳብ 30 ሓምለ 2007 ዓ/ም ከእትዉ ከም ዘለዎም ካብኡ ሰጊሮም ሰለማዊ ስልፊ እንተወፂኦም ግና ፀረ ሰላም ሓይልታት ኣብ መንጎኹም ንምእታዉ ባይታ ዝኸፍት እዩ ብምባል መፈራርሒ መልሲ ሂቦም ከም ዘፋነውዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ናይ ግብሪ ኣከፋፍላ ሓደ ነጋዳይ 100 ሽሕ ብር እንተ ተገሚትዎ ቅሬታ ኣለኒ እንተድኣ ኢሉ ናይ’ዚ ፍርቂ ዋጋ ከፊሉ ጥርዓኑ ከስምዕ ኣለዎ ዝብል ኣዋጅ ከም ዝወፀን ብፍላይ ኣብ ከባቢያዊ ምምሕዳር ሓድነት ኣካቢ ግብሪ ዝኾነ መሰለ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ምስ ኣርባዕተ መሳርሕቱ ብምዃን ብዘይ ኣግባብ ንነጋዳይ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ይግምት ከም ዘሎን ንሱ ንዝፈልጦም ነጋዶ ድማ ትሕቲ ውሑድ ገንዘብ  ክኸፍሉ ይገብር ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።