Thursday, July 30, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ካብ ስደት ንዝተመለሱ መንእሰያት ዝበደልዎ ዘይብሎም ብልኡዃት ስርዓት ኢህወዴግ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለፅዎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ስሪንቃ ዝርከቡ መንእሰያት ቅድሚ ሕዚ ካብ ኣዕራብ ሃገራት  ዝተመለሱ ኮይኖም፣ መንግስቲ እግሪ መትከሊ ክገብረልኩም እየ ብምባል ቃል ዝኣተወሎም እንትኾን ናብ ዓዶም ምስ ኣተዉ ግን ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ናይ መንግስቲ ኣካል ግልፅ ኢሉ ዝረኣዮም ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላፅ እቶም መንእሰያት ድማ በዚ ተስፋ ቆሪፆም ዳግማይ ናብ ኣዕራብ ሃገር ንምምላስ ኣብ መገዲ እንዳሃለዉ ሰባት መዘዋወርቲ ኢኹም ተባሂሎም ብናይ ሓሶት መሰኻክር ኣብ ከተማ ወልዲያ ተኣሲሮም ከም ዘለው  ንምፍላጥ ተካኢሉ።
እቲ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰናይ ግብሪ ዘለዎ መንግስቲ ክመስል ሓገዝ ከም ዝገብረሎም ዝተኣተወሎም መብፅዓ ኣብ ተግባር ዘይምውዓሉ ተስፋ ብምቑራፅ ናብ ሰደት ንምኻድ ኣብ ዝፍትንሉ ግዜ ብ5 ሓምለ 2007 ዓ/ም ብኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ካብ ዝተኣሰሩ ወገናት ንምጥቃስ ዝኣክል፦ መንእሰይ ጣሂር እሸቴ፤ መሓመድ ዓሊ፤ ሬድዋን ያለውን ዘምዘም ዳውድን ዝተብሃሉ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ከም ዝተኣሰሩ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኺ የረድእ።