Monday, July 13, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሽዋን ከባቢኣን ዝነብሩ ሓረስቶት መዳበሪያ ብርትዓዊ ዋጋ ክንረክብ ኣይክኣልናን ብምባል ስለማዊ ስልፊ ክንገብር ኢና ስለ ዝበሉ ጥራሕ ይእሰሩ ምህላዎም ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሽዋ፤ ኣብ ወረዳ ኖኖን ከባቢኣን ዝነብሩ ሓረስቶት ኣብዚ ዓመት እዚ መንግስቲ ኩሉ ሓረስታይ ብዝርብሓሉ መንገዲ መዳበርያ ብርትዓዊ ዋጋ ከቕርበልና ኣይክኣለን ብምባል እዚ ድማ መንግስቲ ክፈልጦ ኣለዎ ብምባል ሰለማዊ ስልፊ ክንገብር ኢና ኢሎም ብምሕታቶም ጥራሕ መልዓዓልቲ ተባሂሎም ኣስታት 15 ሓረስቶት ከም ዝተኣሰሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዞም ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ንዝምልከቶ ሕቶ ዘቅረቡ ሓረስቶት በቲ ስርዓት ብዓይኒ ፀላእቲ ተራእዮም ንእሱር ካብ ዝተዳረጉ ሓረስቶት ድማ፦  ክብረቴ ዳርጌ፤ ደብለው ቢተው፤ ፍቓዴ ደሳለኝን ካልኦትን ዝርከብዎ ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።