Monday, July 13, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ወሊሶ ከባቢአን ዝነብሩ ሓረስቶት ብካድረታት ኦህዴድ ስለ ምንታይ ኣገልገልትና ዘይትኾኑ እናተብሃሉ ይጋፍዑ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



  ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ወሊሶ ዝነብሩ ሓረስቶት ወገናትና እናተገደዱ ናይ ካድረታት መሬት ንክሓርሱ ይግደዱ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ኣይተ ሲሳይ ከልካይ ዝተብሃለ ኣባል ፖሊስ ብ29 ሰነ 2007 ዓ/ም ንኣይተ ጫላ ፈይሳ ንዝተብሃለ ሓረስታ መሬተይ ስለ ምንታይ  ዘይሓረስካለይ  ክብል ምስ ኣፋጠጠሉ እቲ ሓረስታይ ድማ ጉልበተይ ብነፃ ንኽትጥቀም ተፋራርሓኒ ኣለኻ ስለ ዝበሎ ጥራሕ እቲ ፖሊስ ጥይት ተኺሱ ኢዱ ስለ ዝሃረሞ ኣይተ ጫላ ፈይሳ ብከብዲ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል  ወሊሶ ደቂሱ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ እዚ ናይ ግፍዒ ተግባራት ካድረታት እቲ ስርዓት  ኣብ ከተማ ወሊሶ ጥራይ ዝረአ ዘሎ ዘይኮንስ ኣብ ኩሉ ከባቢታት  ሃገርና ዝረአ ዘሎ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ሓቢሩ።