Sunday, July 26, 2015

እኹል ፅንዓት ዘይተገብረሉ አከፋፍላ ግብሪ ሃገርና!!



ግብሪ ምኽፋል ዜግነታዊ ጉቡእ እኳ እንተኾነ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ኣከፋፍላ ግብሪ ግን ዓይኒ ምራኑ ዝጠፍኦ ንብዙሓት ዜጋታት ናብ ድኽነት ዝኸተተ ብኣንጻሩ ካዝና ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ድማ ልዕሊ ዓቕሙ ንኽሃጥር ዝገበረ ኣሰራርሓ እዩ ዝፍፀም ዘሎ።

 በዚ ምኽንያት ድማ መነባብሮና ክነመሓይሽ ብምባል ኣብ ንግዳዊ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ዜጋታት ብሰንኪ ዝንቡዕ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ስርዓት ኢህወዴግ መኽሰብ ረኺቦም ናብራኦም ከመሓይሹስ ይትረፍ ዝነበሮም ሃፍቲ ብምንጋፍ ትካላቶም ዓፅዮም ካብ ስራሕ ወፃኢ ዝኾኑ ነጋዶ ብጣዕሚ ብዙሓት እዮም።

ሓደ መንግስቲ ግብርን ቀረፅን ኣግባብነቱ ብዝሓለወ ኣካይዳ ካብ ህዝቢ ክእክብ እንከሎ ነታ ሃገር ዘየቋርፅ ዕብየት ከምፀአላ ይኽእል እዩ። ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ንኽህነፁ፥ ደመወዝ ሰራሕተኛታት ዕብየት ንኸርእን ካልኦት ምዕባለታት ንኽምዝገቡን ተባሂሉ’ዩ፣ እንተኾነ ግን እዚ ኹሉ ግብሪ እናተኣከበ ኣብ ሃገርና ንዘሎ ሰራሕተኛ መንግስቲ እኳ እንተሪኢና ዕለታዊ ናብርኡ ካብ ኢድ ናብ አፍ ዝኾነሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።

ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብር ህዝብና ብሰንኪ ሕፅረት ሕክምና ብሕማም ህይወቱ ዝሓልፍ፥ ብሰንኪ ዝተመዓራረየ ቤት ትምህርቲ ብዘይምህላው ገና ካብ ዳስ ዘይወፁ ንፀሓይን ንፋስን እናተቓልዑ ዝውዕሉ ተምሃሮ ዘለውሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። እዚ ኩሉ ንነጋዶ ሃገርና ቀሊጡ ናብ ድኽነት እናደርበየ ዝእከብ ዘሎ ግብሪ ድማ ኣብ ክንዲ ፀገም ክፈትሕ ናብ ካዝና ውልቀ መራሕቲ እናኣተወ ሸነን መበሊ ውሑዳት ሰበ-ስልጣናት ክኸውን ንዕዘብ ኣለና።

እዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ካብቲ ናይ ግብሪ ኣዋጅ ወፃኢ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ነጋዶ ናብ ዝኸፍአ ክሳራ ዘቃልዕ  ከም ዝኾነን እቲ ናይ ግብሪ ኣከፋፍላ’ውን እንተኾነ ኣብ ሰለስተ ደረጃ ክኸፈል በምግባር ብፍላይ ነቶም ብደረጃ “ሐ” ግብሪ ዝኸፍሉ ወገናት ብግምት እዩ ግብርን ታክስን ክኸፍሉ ዝግበር እቲ ነዚ ግብሪ ዝእክብ በዓል ስልጣን። ሕብረተሰብ ዘይግበኦ ግብሪ ከይኸፍል ኣብ ባይታ ወሪዱ እኹል መፅናዕቲ ስለ-ዘየካየደሉ ነቲ ዝፍጠር ዘሎ ፀገም ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑዎ’ዩ።

እቲ ካልእ ተወሳኺ ፀገም ድማ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋኑ ተኸታቲሎም ግብሪ ከኽፍሉ እናተገብኦም ተመሊሶም ነቲ ዝተዓፀወ ሒሳብ ከም ብሓድሽ ስለ ዝኸፍትዎ ምስቲ ናይ ቀፃሊ ዓመት ተደሪቡ ንከኸፍልዎ ስለዝግደዱ ድርብ ዕዳ ኮይንዎም ዓብይ ናይ ስነ ኣእምሮ  ፅዕንቶ ብምፍጣር ናብ ፍፁም ድኽነት ንኽዓትው ተገይሩን ይግበርን አሎን።

እዚ ሕዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ግብሪ ጉዳይ ነቶም ሰብ ትካላትን ነጋዶን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ተጠቃሚ ህዝቢ‘ውን እንተኾነ ኣብ ናይ ንግዲ ትካላት ኣትዩ ንዝጥቀመሎም ነገራት ካብቲ መግዝኢ ዋጋ ወፃኢ ተወሳኺ እሴት ታክሲ 15 ሚኢታዊ ንክኸፍል ይግደድ ብምህላው ንገሊኦም ሰብ ትካላት እቲ ዘኽፈልዎ ተወሳኺ እሴት ታክሲ ኣታዊ ክገብርዎ እንትገብሩ ነቶም ጉቦ ዝኸፈሉ ግን ቅብሊት ዘለዎ ስርዓት ተሓታትነት ዘማልእ ኣብ ክንዲ ክኸውን ካብ ድኻ ሕብረተሰብና ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ውልቀ ነጋዶን ሰበ ስልጣን መንግስትን ኢድ ክኣቱ እናተገብረ’ዩ ዘሎ።
    
     ብዘይ ኣግባብ ግብርን ታክስን ክኸፍል ተሓቲተ ንዝብል ቅሬታ ሕብረተሰብ ክሰምዑ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ሰባት ድማ ናይቲ ስርዓት ኣገልገልቲ ብዝኾኑ ርእሰ ምምሕዳር ናይቲ ክልል፥ ናይ ከተማታት ከንቲባታትን ናይ ዞባን ወረዳን ኣመሓደርቲ ዝምርሑ ብምኻኖምን ኣብ መላእ ሕብረተሰብና ዓብይ ቅልውላው ፈጢሩ ኣብ ርእሲ ምህላው ግብሪ በዚሑና ብምባል ይምልከቶም ተባሂሎም ናብ ዝተቐመጡ ሰበ ስልጣን ይግባይ ኣብ ዝሓተሉ እዋን ድማ ፍርቂ ናይቲ ዝተሓተቶ ገንዘብ ቅድምያ ከእትዉ ስለ ዝግደድ እቲ ንዓመታት ረሃፆም ኣፍሲሶም ዝኣከብዎ ገንዘብ መንቀሳቐሲ ዝኸውን ከይገደፉ ስለ ዝኸፍልዎ መፍትሒ ከይረኸቡ ንዝለዓለ ፀገም እናተቓልዑ ይርከቡ ኣለው።