Sunday, July 26, 2015

ነጋዶ ከተማ ሑመራ መጠኑ ዝሓለፈ ግብሪ ክፈሉ ተባሂሎም ይግደዱ ስለ ዘለዉ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት መረረቶም የስምዑ ምህላዎም ተገሊፁ።



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝነብሩ ሃፋትም ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ ክፈሉ ተባሂሎም ይግደዱ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣  ከም ውፂኢቱ  ድማ ህዝቢ ተቓውምኡ የስምዕ ስለ ዘሎ ካድረታት እታ ከተማ  ኣብ ከቢድ ስግኣት ምውዳቖም ተፈሊጡ።
       ነቲ በቲ ነባራይ ህዝቢ ከተማ ሑመራ ተላዒሉ ዘሎ ዕግርግር ንምህዳእ ተሓሲቡ  ከንቲባ እታ ከተማ ኣለሙ በየነ ዝተብሃለ ካድረ፣ ብ12 ሓምለ 2007 ዓ/ም   ነቶም ሃፋትም  ኣኪቡ ነቲ ዘይቕኑዕ ኣከፋፍላ ግብሪ ከነማሓይሾ ኢና ብምባል  ከተዓሻሽዎም ፈቲኑ'ኳ እንተነበረ፣  እቶም ተኣከብቲ ግን በዚ ዘረባ እዚ ኣይንታለልን ብምባል ተቓውሞኦም ይቕፅሉ ከም ዘለዉ እቲ  ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።