Friday, July 24, 2015

ኣብ ከተማ ዓድዋ ንስፖርት ተባሂሉ ዝተሰለዐ ባጀት ኣብ ስራሕ ከይወዓለ ብሰበ ስልጣን ብምብልዑ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ከም ዘኸተለ ተሓቢሩ።



ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ ንዝካየዱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርት መንቀሳቐሲ ክዉዕል ተባሂሉ ዝተመደበ ገንዘብ፣ ባዕሎም እቶም ሰበ ስልጣን ከም ዝበለዕዎ ዝፍለጡ ሓደ ሽሕን ሰለስተ ሚኢትን (1300)  ስፖርተኛታት ናይ'ታ ከተማ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ተቓዉሞ ሰልፊ ምክያዶም ድሕሪ ምግላፅ። ካብ ክልል ንዝመፁ ሰበ ስልጣን ነቲ ሰልፊ ንምርግጋእ እኳ ፈቲኖም እንተነበሩ፣ ንስኻትኩም 'ዉን ካብኦም እንታይ ይፈልየኩም ብምባል ከም ዝነፀግዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብቶም ነቲ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ንምርግጋእ ናብታ ከተማ ካብ ዝኣተው ሰበ ስልጣን ሓደ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ዝኾነ ኣለም ገብረዋህድ ዝተብሃለ ኮይኑ፣ ንሱ ነቲ ተቓውሞ ንምዝሓል ምንቅስቓስ ይገብር ኣብ ዝነበረሉ፣ እቶም ሰልፈኛታት ድማ ናይ'ታ መኪንኡ መስትያትን ማዕፆን ሰባቢሮም ወናበራ ኣዉፅኦም ከም ዝደርበይዎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።