Friday, July 24, 2015

ኣብ ከባቢ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ስራዊት ምክልኻል ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ባዕሎም ንባዕሎም ይቃተሉ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ተዋፊሮም ዝርከቡ ምክልኻል ሰራዊት ኢህወዴግ ኣብ ዉሽጦም ሓድነት ከም ዘይብሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኣባላትን ኣዘዝትን ዘይምስምማዕ ብሰፊሑ ኣስፋሕፊሑ ብምህላዉ ወተሃደር ታዘዘ ደበበ ዝተብሃለ ንሓለቓ ሚኢቲ ኣስራት ባይኑን ንሓለቓ ሓምሳ ካሳ ኣለሙንን ዝተብሃሉ ብጥይት ቀቲሉ ንባዕሉ ድማ ዓርሰ ቅትለት ከም ዝፈፀመ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
   ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ዓዲ ሃገራይ ካብ ዝርከቡ ምክልኻል ሰራዊት ኢህወዴግ ሓደ ወተሃደር  ንስለስተ ኮሎኔላት ምስ ሰዓብቶም ቀቲሉ ንባዕሉ ዓርሰ ቅትለት ከም ዝገበረ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ቅንያት ዜናና ገሊፅና ምንባርና ይዝከር።