Tuesday, August 11, 2015

ነጋዶ ከተማ ዓድ-ግራት ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠንን ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክፈሉ ስለ ዝተብሃሉ ትካሎም ክዓፅዉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ካብ'ታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



    ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓድ-ግራት ዝርከቡ ብንግዲ ዝመሓደሩ  ወገናትና  ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠንን ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ  ካብ ዝተገደዱ ብርክት ዝበሉ ወገናት ገለ ኣስማት ንምጥቓስ፦  ኣይተ ገ/ዮውሃንስ ሃይሉ  ወናኒ  ትካል ምፅጋን ኮምፒተር 1.5 ሚልዮን ብር ክፈል ዝተብሃለ፤ ወ/ሮ ኣበባ ዝተባሃለት ኣካራይት ገዛ 13 ሽሕ ብር ክትከፍል ዝተገደደትን ካልኦትን ከም ዝርከብዎም  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ  ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት  ኣብ ምትማን ግብሪ ምስ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ናይ ዜጋታት ብምትሕሓዝ  ይወስንዎ ስለ ዘለዉ  ነበርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ቅሬታ ኣምሪሮም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።