Tuesday, August 11, 2015

ገዛኢ ጉጅለ ስርዓት ኢህወደግ ንተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ከተማ መቐለ ቀፅሪ ሓወልቲ ሰማእታት ንኽገብር ዝፀወዖ ኣኼባ ውሑድ ሓይሊ ሰብ ከም ዝተረኸበ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት ንተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ን26 ሓምለ 2007 ዓ/ም እቲ ስርዓት ኣብ ዝፀዎዖ ኣኼባ ብጣዕሚ ዉሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ተማሃሮ ከም ዝተረኸቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ናይ'ቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝምሃሩ ተምሃሮ ኣብ እዋን ክረምቲ ብድልየቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጨንፈር ስራሕ ተዋፊሮም ብነፃ ንኸገልግሉ ዝብል ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቶም ተማሃሮ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብድሌቶም ክረምታዊ ወፍሪ ብሰፊሑ ክሳተፉ ዝፀንሑ እንትኾኑ ኣብ'ዚ ዓመት ግን እቶም ዝበዝሑ ተማሃሮ ድሕሪ ምረቓ ክረምታዊ ብነፃ ዘገልገለ ተማሃራይ ገዲፍኩም ቀዳምነት ኣባላት ዉድብኩም ዝኾኑ ተምሃሮ ስራሕ ክትቆፅርዎም ብምርኣይና ኢና ብምባል ኣብቲ ኣኼባ ከም ዘይተረኸቡ ተፈሊጡ።
 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ  እቶም ተማሃሮ ኣብ ሓደ ሃገር ክልተ ዓይነት ዜጋ ከም ዘሎ ዘይምፍላጥና እዩ ኣገርሁና እምበር ብኣኹብሮት ምስ ስድራና ኣዕርፍና ብምኽራም ድሓር ከም ሰብና ስራሕ ምእላሽ ይሕሸና ብምባል ኣብቲ ኣኼባ ምስታፍ ከም ዝሓደግዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
     ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ ዝተሓሰቡ ተማሃሮ ብዘይ ምርካቦም ነቲ ዕለት ዝተሓሰበ ኣኼባ ከይተሳለጠ ስለ ዝተረፈ ነቲ ኣኼባ ክመርሑ ዝመፁ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህወሓት እኒ ኣይተ በየነ መኩሩን ካልኦትን ድማ ንካልእ መዓልቲ ክነካይዶ ብምባል ምስ ጋዜጠኛታቶም ብሓባር ካብቲ ኣዳራሽ ሓፊሮም ምምላሶም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።