Wednesday, September 2, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝርከቡ ወተሃደራትን ፈደራል ፖሊስን ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾነ ፍተሻ የካየዱ ስለ ዘለዉ ነበርቲ ዕለታዊ ስረሖም ንምዕማም ከም ዝተሸገሩ ተፈሊጡ።






ብመሰረት እቲ ሓበሬታ  ካብ 17 ነሓሰ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ቁፅሮም ብርከት ዝበሉ ፈደራል ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም    ብዝፈጥርዎ ዘለዉ ህወከት ነበርቲ ዕለታዊ ስረሖም ንምስራሕ ከም ዝተፀገሙ ድሕሪ ምግላፅ  ብፍላይ እዞም ወተሃደራትን ፈደራል ፖሊስን ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትኣዛዝ  ናብ ሕድ ሕድ  መንበሪ  ኣባይቲ እናኣተዉ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾነ ፍተሻ የካይዱ ምህላዎም  እቶም ነበርቲ ብምረት ገሊፆም።
እዚ ናብ ናይ ንፁሃን መንበሪ  ኣባይቲ  ብሓይሊ ብምእታው ዘካይድዎ ዘለዉ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾነ ፍተሻ እቲ ጠንቂ  ሓደ  ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ምስ ክልተ ብፆቱ ብምዃን ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ ዘካይዱ ተቓወምቲ ውድባት ንምፅምባር ካብ ከተማ ኣዲስ  ኣበባ ናብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ኣትዩ ብዝብል ናይ ግብረ ሽበራ ወረ  ምዃኑ እቶም ምዝራቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።