Wednesday, September 2, 2015

ሚኒስተር ምክልኻል ስርዓት ኢህወዴግ ብዕቑር ስራዊት ኣሰልጢኑ ናብ ትዉልዲ ዓዶም ዝሰደዶም እንደገና ንኽምለሱ ኣብ’ዚ ሰሙን ፃዊዐት ከም ዝገበረ ተፈሊጡ።







ብመሰረት ዝበፀሓና ሓበሬታ ሚኒስተር ምክልኻል ገዛኢ ስርዓት ብዘዉፅኦ ምልክታ መሰረት ደረጃ ትምህርቶም ካብ 6ይ ክፍሊ ንላዕሊ፤ ዕድምኦም ካብ 35 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ምልሻታትን ናብ መደበኛ ሰራዊት ክትኣትዉ ኢኹም፤ ሃገርና ንምዉራር ኣሸብርቲ እናተዳለዉ እዮም ዝብል ስንኩል ምኽንያት ተጠቕሙ ፃዉዒት ዋላ'ኳ እንተገበረ ፃዊዐቱ ዝቕበል ሰብ ከም ዘይረኸበ ተፈሊጡ።
እቲ ስርዓት ብተደጋጋሚ ብቅዓት ትምህርቲ የብሎምን ዕድምኦም ዝደፍኡ እዮም ኢሉ ዘባረሮም ዕጡቋት ዳግማይ ፃዉዒት ምቕራቡ ንህዝቢ ዘለዎ ንዕቐት ዘርኢ እዩ ብምባል ገለ ገለ ተቖርቆርቲ ዉልቀ ሰባት ምግላፆም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።