Wednesday, September 2, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ዝርከቡ ነጋዶ ብዝተተመኖም ልዑል ቀረፅን ግብርን ምኽንያት ስረሖም ደው ብምባል ንግዲ ፍቓዶም ይመልሱ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም።






ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ደንበጫ ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ መዳያት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ኣካላት  ብዝተወሰኖም ሚዛኑ ዘይሓለወ ልዑል ግብሪ ምኽንያት ናይ ስራሕ ንግዲ ፍቓዶም ይመልሱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብኣቶም ሓደ መላክ ዝተብሃለ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ  ወናኒ ሆቴል  ሰማኒያ ሽሕ ብር ግብሪ ክፈል ስለ ዝተብሃለ ናይ ንግዲ ፍቓዱ ክስረዘሉ ምሕታቱ ተፈሊጡ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ደንበጫ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ዝኾን ኣይተ ታደሰ  ብተደጋጋሚ ተሓቲቱ ዋላ ሓንቲ  ፍታሕ ክገብር ከም ዘይከኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።