Wednesday, September 2, 2015

ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክንረኽቦ ዝግበኣና ጥቕማ ጥቕሚ ኣይንረክብን ዘለና ብምባል ክሰርሕሉ ዝፀንሐ ቤት ፅሕፈት ይገድፍዎ ምህላዎም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታትና ገሊፆም።






 ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ማቻከል ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ መንግስቲ ክረኽብዎ ዝግበኦም ዕድል ትምህርቲ፤ወሰኽ መሃያን ዝተማሓሸ  ኣበልን ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም  ክሰርሕሉ ዝፀንሑ ቤት ፅሕፈት እናገደፉ ኣብ ናይ ወልቀ  ትካላት ይቑፀሩ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ'ተን ብብዝሒ ሰራሕተኛታት ዝለቁለን  ዘለዋ ቤት ፅሕፈታት ድማ ናይ'ቲ ወረዳ ቤት ፅሕፈት ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ቤት ፅሕፈት ገጠር ሕርሻ ልምዓት ምዃነን ተፈሊጡ።
ኣብ መወዳእታ ናይ'ዘን ቤት ፅፈሕት ሰራሕተኛታት ብኣፈፃፅማ ውፅኢት ተኮር  መሰረት እቲ ቁኑዕ  ክንረኽቦ ዝግበአና ጥቕማ  ጥቕሚ ኣይረኸብና  ብዝብል ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝረከቡ ናይ ወልቀ ትካላት  ብብዝሒ  ይቑፀሩ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ኣስማት ናይተን ትካላት ድማ "ፋብሪካ ኩል ውሃ"፤ "ሞሃ ለሰላሳ" ፈሳሲ መከፋፈሊ፤ መርከብ ናይ ማሕበራት ዩኒየንን ካልኦትን ከም ዝኾና  ንምፍላጥ  ተኻኢሉ።