Wednesday, November 11, 2015

ኣብ ከተማ ዓድዋ ብኣባይ ወልዱ ዝተመረሐ ጉጅለ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንነባሪ እታ ከተማ ኣኼባ ገይሩ ኣብ ዝዘተየሉ ብህዝቢ ዓብዪ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ተፈሊጡ።



     ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብዕለት 8 ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ብኣባይ ወልዱ ዝምራሕ ጉጅለ ምምሕዳር ኣብ ከተማ ዓድዋ ንነባሪ እታ ከተማ ኣኼባ ገይሩ ኣብ ዝዘተየሉ ብህዝቢ ዓብዪ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ  ድሕሪ ምግላፅ ፣ ናይ'ቲ ተቓውሞ ህዝቢ መበገሲ ድማ ቅድሚ መረፃ 2007 ዝኣተኹምዎ መብፀዓ ኣይተተግበርን ዝብል ኮይኑ ካብ'ቶም ብመፅብዓ ተኣቲሎም ዘይተተግበሩ ዝተብሃሉ ንምጥቃስ ዝኣክል፦

1.  ካብ ራማ ንዓዲ ኣቡን ዘሎ መንገዲ (ፅርግያ) ክነስተኻኽሎ ኢና ኢልኩም ነይርኩም።
2. ኣብ ከተማ ዓዲ ኣቡን ሆስፒታል ክንሰርሕ ኢልኩም እምነ ኩርናዕ ኣንቢርኩም።
3. ኣብ ከተማ ዓድዋ ዩኒቨርሲቲ ክንሰርሕ ኢና ዝብሉን ካልእን። ብኣባይ ወልዱ መብፀዓ ንህዝቢ ተኣትዩ እኳ እንተነበረ። ክሳብ ሕዚ ዋላ ሓንቲ ክሰርሑ ስለ ዘይከኣሉ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ዝገበረሉ ስለ ምንታይ እቶም ክንሰርሖም ዝበልኩሞም ስራሕቲ ዘይተሰርሑ ብምባል ኣብ ዉሽጡ ድቃስ ዝኸለኦ ሽግራት ክፍትሓሉ ብዘይ ምኽኣሉ ሓሳብ ብቁጠዐ ከም ዘቕረበ ተገሊፁ።

     ነቲ ናይ ህዝቢ ሕቶን መረረትን ኣመልኪቱ ኣባይ ወልዱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እቶም ኮንትራክተራት መንግስቲ እኹል ዝኾነ ካሕሳ ስለ ዘይህብ ካብ ቦታኹም ከይትለዓሉ እናበሉ ነቲ ህዝቢ ስለ ዘለዓዕልዎ እዩ ብዝብል ሙስሉይ መደናገሪ ምኽኒት እኳ እንተሃበ እቲ ህዝቢ ግን ነቲ ዝነበረ ስሚዒቱ ከም ዘጋደደሉን ነቲ መልሲ ከም ዘይተቐበሎን ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።