Wednesday, November 11, 2015

ኣብ ኣብያተ ህንፀት ክልል ትግራይ ፍርደኛ ተባሂሉ ተዳጒኑ ዝርከብ ብኣሻሓት ዝቑፀር መንእሰይ እቲ መብዛሕትኡ ገበን ዘይብሉ ናይ ፖለቲካ ፍሩድ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።


      ብዘይ ህዝባዊ ዉክልና ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት ኢህወዴግ ኣብ መድረኻትን ሚድያታቱን ብዴሞክራስያዊ ስርዓትና ፍትሒ ነጊሱ እናበለ ዝነዝሖ ወረ ንህዝብና ዕረ እዩ ዝጥዕሞ ዘሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ብምዃኑ ድማ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ክልል ትግራይ ተዓጒሩ ዝሳቐ ዘሎ መንእሰይ ካብ ፅልኣት ነቂሎም ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መርትዖ "ይመስል"ን "ይኸዉን"ን ብዝብሉ ቃላት ደርዲሮም ስለ ዝኸሰስዎ ጥራሕ እስራት ዝተፈረደ ከም ዝኾነ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ካብ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ሕጋዉነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ እሱር ብዘይ ምህላዉ ብርክት ዝበለ እሱር ብድህንነትን ፖላዊስን ብለይቲ እናተሰሓበ ይግረፍን ይቕጥቀጥን በቲ ኣስከሕካሒ መግረፍቲ ህይወቱ ንዝሰኣነ ድማ ቦታ ተቐይሩ እናበሉ ንቤተሰቡ ምላሽ ስለ ህዝብዎ ስድራ ዉላዱ ንምእላሽ ካብን ናብን ክንከራተት ይግደድ ከም ዘሎ ተገሊፁ።
     ኣብ መወዳእታ ኣብ ቤት ህንፀት መቐለ ልዕሊ 4 ሽሕ እሱር ዝርከብ ኮይኑ ነዚ ዝኣክል ዝስተ ይኹን መሕፀቢ ቀረብ ማይ ብዘይ ምህላዉ እቲ እሱር ማይ ክብል ዝዉዕለሉን ዝሓድረሉን ከም ዝበዝሕ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መፂኦም ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባ ፀገማቶም ክፍታሓሎም ብተደጋጋሚ ዝዛረቡ እኳ እንተኾኑ በቶም ሓለፍቲ ካብ ፕሮፖጋንዳ ዝሰገረ ግብራዊ ፍታሕ ከም ዘየለ ተፈሊጡ።