Saturday, December 19, 2015

ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተላዒሉ ዞሎ ተቓውሞ ንምብታን ኢሉ ዘዋፈሮም ወተሃደራት፣ ናብ ወገናትና ኣይንትኩስን ብምባል ዕጥቆም ደርብዮም ናብ ህዝቦም ይፅምበሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ሓዱሽ ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዙርያኣን ማስተር ፕላን ኢሉ ንዘውፀኦ ኣዋጅ ኣብ 150 ከተማታት ክልል ኦሮምያ ኣንፃር እቲ ኣዋጅ ዝተቐፃፀለ ተቓዉሞ ኮይኑ ብዕለት 2 ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ኣብ ምዕራብ ሽዋን  ደቡብ ምዕራብ ሽዋን ጥራሕ ኣብ ዝተለዓለ ተቓውሞ 25 ኑፁሃት ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
 ነቲ ኣብ መላእ ከባቢታት ኦሮሚያ ተወሊዑ ዘሎ ናዕቢ ህዝቢ ነቲ ዝወፀ ኣዋጅ ብዝላዓለን ብዝሰፈሐን መንገዲ ብምቁዋሙ በዚ ዝሰገአ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወደግ ነቲ ተቓውሞ ንምብታን ንዘዋፈሮም ወተሃደራት ናብ ወገናትና ጥይት ኣይንትኩስን ብውልቀ መራሕቲ ህወሓት ዝእዘዝ ሚኒስተር ምክልኻል ኣይንቕበልን እናበሉ ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ወታደራዊ ሬንጀር ኣብ ፅርግያታት እናቃፀሉን ዝዓጠቕዎ ዕጥቂ እናደርበዩን ናብ’ቲ ህዝቢ ይፅምበሩ ከም ዘለዉ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
እቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተወልዐ  ተቓውሞ ብዕለት 3 ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ኣብ ምዕራብ ሽዋ ባኮ ከምኡ እውን ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ነጆ ወረዳ  ኣብ ወራ ጅሩ፤ ኣብ  ኣንቹማ ጎሪን ከተማ ጊዳን እቲ ተቓውሞ ከም ዝቐፀለ ድህሪ ምግላፅ። ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ቡራዩ ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ዝመሃሩ ተምሃሮ ናብቲ ቀፅሪ ወተሃደራት ንኸይኣቱ ነቲ መንገዲ ብኣማን ከም ዝዓገትዎ ተፈሊጡ።
ኣብ መወዳእታ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢህወደግ ነቲ ተላዒሉ ዘሎ ሓደገኛ ናዕቢ ህዝቢ ብሓይሊ ንምጭፍላቕ ትእዛዝ ከውርድ እኳ እንተኸኣለ እቲ ናዕቢ ግን ክጋደድ እምበር ክዝሕል ከም ዘይከኣለ ኣረዲኡ።