Saturday, December 19, 2015

ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ጭልጋ ኣብ ሞንጎ ብሄረሰብ ኣምሓራን ቅማንትን ብ30 ሕዳር 2008 ዓ.ም ብዝተፈጠረ ግጭት 3 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊፁ።



ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታትና ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኣብ ብሄረሰብ  ኣምሓራን ቅማንትን ገዛኢ ስርዓት ብዝኽተሎ ዘይምዕሩይ ምሕደራ ዓመታት ዘቑፀረ ግጭት እኳ እንተሃለወ ዝምልከቶ ኣካል ቆላሕታ ሂቡ ፍታሕ ክገብረሉ ብዘይምኽኣሉ ምስ ግዜን ኩነታትን እናተወለዐ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ይበልዕ ምህላዉ የረድእ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ብሰንኪ እቲ በቢ እዋኑ ዝባራዕ ዘሎ ባእሲ ነበርቲ እቲ ከባቢ ቅሱን ናብራ ክመርሑ ከም ዘይከኣሉ ከም ዉፅኢቱ ድማ ኣብቲ ብ30 ሕዳር 2008 ዓ.ም ዝተወለዐ ባእሲ ኣይተ ቻለቸዉ ንጉሴን ቸኮል ዋሴን ካብ ብሄረሰብ ቅማንት ኣይተ ዋለልኝ ምስክር ከዓ ካብ ብሄረሰብ ኣምሓራ ኣብቲ ግጨት ከም ዝሞቱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን እናበለ ሚልዮናት ሃፍቲ ህዝቢ ወፃኢ ብምግባር  በቢዓመቱ 29 ሕዳር የኽብሮ እኳ እንተኾነ እዚ ግን ንመሸቀጢ ፖለቲካ  ድኣ እምበር ካብ ልቢ ዝነቐለ ሓሳብ ብዘይ ምዃኑ ኣብ ሞንጎ ብሄረሰባት ሃገርና ግጭታት ክስፍሕፋሕ እምበር ፍታሕ ክግበረሎም ከም ዘይከኣለ ሙሁራት ፖሎቲካ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።