ኣብ
ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ብ17 ሕዳር 2008 ዓ/ም ኣብ ዝተፀወዐ ኣኼባ ንዝተረኸበ ህዝቢ በቶም ነቲ መድረኽ ዝመርሑ
ዝነበሩ ኣመሓደርቲ “ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን ሕድሪ መለስ
ንከተል” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዉድቦም ኣቐዲሞም ከም ዘቃልሑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ህዝቢ ከዓ ንባዕልኹም ኣኽብሩዎ ንሕና ንዝሞተ
ሰብ ክንክተል ኣይንነብርን ዝበሎም እንትኾን ብፍላይ ቀሺ ገ/መድህን ታደሰ ባዕልኹም ዘበላሸኹሞ ምሕደራ ንዓና እንታይ ግበሩ ትብሉና
ኣለኹም ብምባል። ኣምሪሮም ከም ዝተዛረቡ ምንጭታትና ወሲኾም ገሊፆም።
ኣብ
መወዳእታ እቲ ሓበሬታ እቲ ህዝቢ ምምሕዳርኩም ሌባ ፖሊስኩም ሌባ ዳይናኹም ሌባ ነዚ ንሕና ንምንታይ ኢና ሕድሪ መለስ እናበልና
ንጭርሓሉ እዋን ኣይኮናን ዘለና እኳ ድኣ ብኣንፃሩ ብሰንካም ምምሕዳርኩም ከርፋሕ ናብራ ነሕልፍ ኣለና ከም ዝበሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።