Sunday, December 6, 2015

መናእሰይ ሃገርና ናብ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ኣብ ምፅንባር ከም ዝርከቡ ወኪልና ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ገሊፁ።



ንኣንባገነን ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ሃገርና ተበጊሶም ናብ ዴምህት ዝፅንበሩ መናእሰይ ቁፅሮም እናተበራኸተ ይኸይድ ኣሎ ዝበለ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት፣ ካብቶም ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ዴምህት ዝተፀንበሩ መናእሰይ ንምጥቃስ ዝኣክል፦
1-ባሃበሎም ገብረማርያም ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ማይ ሓማቶ፣
2-ብርሃን ገብረመድህን ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሆያ፣
3-ሰለሙን ገዌ ካብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ሽዋ ወረዳ መቂት፣
4-ኤፍሬም ጉዕሽን ምኪኤለ ገብረምካኤልን ክልቲኦም ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ፍታዉ ዝተብሃሉ ዝርከብዎም እዮም።
ኤፍሬም ጉዕሽን ምኪኤለ ገብረምካኤልን ናብ ዴምህት ክስለፉ ዘገደዶም ምኽንያት እንትገልፁ፣ ንሕና ዕድመ ኣከል መናእሰይ እናሃለና መሬት ክንረክብ ኣይከኣልናን ንስደት ክንኸይድ ሓሲብና ኔርና ኣብ መጨረሻ ድማ ስደት መፍትሒ ከም ዘይኮነ ስለ ዝተረድኣና ኣብ ጎኒ ዴምህት ተሰሊፍና ኣንፃር ስርዓት ኢህወዴግ ዓጢቕና ክንቃለስ መሪፅና ክብሉ ገሊፆም።
ሰለሞን ገዌ ብግዲኡ ኣብ ናይ ንግዲ ስራሕቲ እናሰርሐ ከሎ ገዛኻ ተቓወምቲ ይእከብሉ እዮም ብዝብል መርትዖ ዘይብሉ ምኽንያት በቲ ስርዓት ኣብ ዙዋይ ንኽልተ ዓመት ብዘይ ፍርዲ ተኣሲረ ድሕሪ ምፅናሕ ጉቦ ከፊለ  ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምልጥ ክኢለ ኢሉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብ ዙባይ ዝርከቡ እሱራት ድማ ብበትሪ እናተቐጥቀጡ ኣስካሕካሒ ስቓይ የሕልፉ ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።