Monday, May 29, 2017

ብምኽንያት 20 ጉንበት ካብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴ.ም.ህ.ት) ዝተውሃበ ውድባዊ መግለፂ!



መሪር ተጋድሎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከዓ ህዝቢ ትግራይ ስፍሓቱን ዕምቆቱን፣ ምረቱን ፅንዓቱን ብሓፈሻ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሕልኽላኻቱ  ዳህሲስካን መርሚርካን ብቓላት ንኽትገልፆ ከቢድ ስለ ዝኾነ፣ ዉድብ ዴ.ም.ህ.ት ንሓቀኛ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይን ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያን ንዝመራመሩ ሊቃውንቲ ብምሕዳግ ንግንቦት 20 ኣመልኪቱ እዚ ዝስዕብ መግለፂ ኣቕሪቡ ኣሎ።
  ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ምስ ኩሎም ዉፁዓት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብምሕባር ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ፀላእቲ መኪቱ ዘሕፈረን ንበይኑ ዘራይ ዘይብሉ `ዉን ማእለያ ንዘይብሎም ፀላእቱን ግዳማዊያን ደገፍቶምን ብምስዓር  ዋልታ ሓርነት ብምዃን ዓወት ዝተጓናፀፈ በዓል ድርብ ታሪኽ ህዝቢ'ዩ።
 ህዝብና ሰረት ግእዝ፤ ሓበሻዊት ርስቲ፤ በኹሪ ባና ናፅነት፤ ሓበን ናይ ፀለምቲ ኣፍሪካዉያን ግን ከዓ ሪም ኢትዮጵያዊያን ዝኾነት ነፃ ሃገር ህያው ኮይና ንኽትነብር ብዝያዳ ናይ ህዝቢ ትግራይ ረዚንን መሪርን መስዋእቲ ከም ዝተኸፈሎን ዋልታ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣብ ቅድሚት ከም ዝርከብን ሓቀኛ ምስሊ ሕሉፍ መሪር ተጋድሎ ህዝብና ይምስክር።
  ልፍንታዊ መብረ ባዕዳውያን ጎይቶቶም ዘይተፈለዮም ብሽም ጭቁን ህዝቢ ኣምሓራ ዝሽቅጡ ገዛእቲ ደርብታት፣ መሳፍንቲ ስርዓት ጃንሆይ፣ ዓቀይታይ ሰራዊቶምን ፋሽሽቲ ደርጊ ኢሰፓን፣ ንህዝቢ ትግራይ ከም ዘይ ህዝቢ ባህሉን ታሪኹን ብምርጋፅ ቋንቁኡን ክብርታቱን ፈንፊኖም ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰሉ ግሂሶም ኣብ ድቕድቕ ፀላም ባርነት ብምሽማም ንልዕሊ 61 ዓመት ከም ቁርዲድ ብደሙ ዝዘኽረጡ ደመኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
  ካብዚ ዝተገለፀን ካልኦት ወፅዓታትን ንምልቓቕ እዩ እምበኣር ህዝቢ ትግራይ ነቶም ፀላእቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ማለት ከም ስርዓት ሃይለስላሴን ደርግ ኢሰፓን ንምድምሳስ ኣቐዲሞም ኣቦታትና በዓል ብላታ ሃይለማሪያም ዝደጎልዎ ሓዊ ኣብ 1966 ብውሑዳት ተማሃሮ ማሕበር ገስገስቲ ብሄር ትግራይ(ማ.ገ.ብ.ት) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተጠንሲሱ ብ11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ርችት ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ በረኻ ደደቢት ዝተወለዐ።
 ደላይ ለዉጢ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ፈለማ ኣሃዱ ኢሉ እንትብገስ ብክልሰ ሓሳብን ግብርን ከቢድ ፈተነ ከም ዘሎ ኣሚኑ ወታደራዊ ስልቱ ብዝተናውሐ ደባይ ስልቲ ናብ ፍፁም ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ብምስግጋር ፖለቲካዊ ሳይንሱ ብጎነፃውን ዘይጎነፃውን መሪሕ እናተኸተለ ሓፋሽ ህዝብና ይንቃሕ፤ ይወደብ፤ ይታዓጠቕ። ምስ ኩሎም መሓዙት ውድባት፣ ዴሞክራሲያዊያን ሓይልታትን ጭቁናት ብሄራትን ብምትሕብባር ቃልስና ነሐይሎ ብምባል ምስ ጎረባብቲ ህዝብታትን መንግስታትን  ከይተረፈ ዝምድናታቱ ምጥንኻር መሪር ቃልሲ ኣካይዱ መሪር መስዋእቲ እናኸፈለ ናብቲ ፍርኡ ዘይተረባሕናሉ ፍፃመ ዓወት 20 ግንቦት በፂሑ።
  ዓወት 20 ግንቦት ብሃበ ተረኸበ ዝተረኸበ ዘይኮነስ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዋጋ ዝኸፈለሉ መሪር ናይ ነዊሕ ዓመታት ሕልኽላኽ ቃልሲ ዝሓተተ ብምዃኑ ብዓይነቱን ድርብ በደሉን ድርብ ዋጋን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ይገብሮ።
 ካብ በረኻ ደደቢት ክሳብ ሞያሌ፣ ካብ ባዳ በራሕለ ክሳብ ዶብ ፈርፈር ሶማሌ፣  ኣዕፅምቲ 65 ሽሕ ስውኣትና ናይ ልዕሊ 100 ሽሕ ስንክልና ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ተዘሪኡ'ዩ። ደም ጀጋኑና ኣብ ነብሲ ወከፍ ስድሪ መሬት ኢትዮጵያ ተኻዕዩ ዓድታት ባዲሙ፤ ስድራቤታት ፀኒቱ' ብቢልዮናት ዝግመት ሃፍቲ ሃገርና ባኺኑ ኣብ መወዳእታ ድማ ደርግ ኢሰፓ ንሓዋሩ ተደብዩ።
  ዉድብ ዴ.ም.ህ.ት እቲ ካብ 11 ለካቲት 1967 - 20 ግንቦት 1983 ዓ/ም  ብዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ ዝተረኸበ ዘይሙሉእ ዉፅኢት ብቓልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመፀ ምዃኑ ይኣምን፣
 እንተኾነ ግን እቲ መሪር ቃልሲ። መስዋእትን ዝእቶ ዝነበረ ኩምራ መፅበዓታትን ውሑዳት ጠላማት ብእንግድዓ ሓፋሽ ህዝቢ ናብ ኮረቻ ስልጣን ዝመፁ ጉጅለ ተዃሉ ኢህወደግ፣ ዓወት 20 ግንቦት መንጢሎም ብኣዕፅምቲ ጀጋኑ ኣብ ዝቖማ መንበራት ተኾይጦም ንህዝብና ናብ ዳግማይ ባርነት ስለ ዝሸኸልዎ ዴምህት ንሓቀኛ ቃልሲ ህዝብናን ሕድሪ ስውኣትናን ፍሪኡ ንዘይረኸበ ዓወት 20 ግንቦት ንምሕዳስን ታሪኽ ህዝቢ፣ ንህዝቢ ንምግባርን ዳግም ቃልሲ ኣቀፃፂሉ ህዝቢ ኢትዮጵያን ውድብ ዴምህትን ሕዚ'ውን ንጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ ንምውጋድ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ይምርሽ ኣሎ።
  እዚ ብሽም ግዝያዊ ኣዋጅ ሰዓት ሕላፍ እናበለ ዜጋታትና ካብን ናብን ከይንቀሳቐሱ ኣብ መገዛእ መሬቶም ቆሪኑ ብምሓዝ ብዘይ ፍርድን ሕጋዊ ዉሕስናን ምሕረት ዘይብሉ እናጨወየ ዝዳጉኖምን ዝቐትሎምን ዘሎን ናብ ፈቖዶ ስደት ከምርሑ ዝገብር ዘሎን ሙሱሉይ ስርዓት ኢህወደግ ብናይ ዉፁዓት ህዝባዊ ቃልሲን ካልኦት ዴሞክራሲያዊያን ተቓለስትን ግብኣተ መሬቱ ዝኣትወሉ ርሑቕ ከም ዘይኮነ ኣሚኑ ብፅንዓት ኣብ ምቅላስ ይርከብ፣
  ኣብ መወዳእታ ዉድብ ዴምህት ብምኽንያት 20 ግንቦት ንመላእ ደላዪ ለውጢ ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ የመሓላልፍ።
 ስርዓት ኢህወዴግ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ከም ዝበሃል ከም ኣመሉ ብማንታ መልሓሱ ንህዝቢ ካብ ምድንጋር ኣይዓርፍን። ስለዚ መላእ ህዝብና ብኩለ መዳያዊ ነቒሕኻን ተወዲብካን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ቅልፅምካ ብምትሕብባር ዕምሪ ፀላኢኻ ኢህወዴግ ንምሕፃር ኣብ ጎኒ መሪሕ ውድብካ ዴምህት ቃልስኻ ኣጠናኺርካ ክትቅፅለሉ ንፅውዕ።
  እዚ ስርዓት እዚ ፍረ ናይ ዓመታት ቃልሲ ህዝብና መንጢሉ ሕድሪ ጀጋኑ ስውኣትና ረሲዑ ታሪኽ ህዝቢ ኣህሲሱ በቢዓይነቶም መደናገሪ ኣጀንዳታት እናኸፈተ ይቕፅል እኳ እንተሎ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝብና ግን፣ ብሓለንጊ ድርቅን ስእነት ስራሕን ኣድሎኣዊ ምሕደራን ይሳቐ ምህላው ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ'ዩ። ስለዚ ውድብና ዴምህት ዓወት 20 ግንቦት ተበሊፆም ዕላማ ህዝቢ ክሒዶም ሃገር ዝሕምሱ ዘሎው ፀረ ህዝቢ ዝኾኑ ገዛእቲ ብቃልሱ ኣልዩ ዝተኾለፈ ኩለመዳያዊ ድልየትን ረብሓን ህዝቢ መፈፀምታ ክረክብ ኣብ ምርብራብ ንርከብ፣
                ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና!
                ዓወት ንውፁዓት!
                ግንቦት 20/2009 ዓ/ም
                    


No comments:

Post a Comment