Thursday, November 9, 2017

ውሑጅ ከይመፀ መንገዲ ውሑጅ ንፅረግ፣



   ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን፣ቡዙሓት ናይ ዓለምና ሃገራት ኢኮኖምያዊ ማሕበራዊ፤ፖሎቲካዊ ዕብየት ዜጋታተን ንምጉንፃፍ ከከም ምርጭአን ኣሃዳዊ ወይ ፌደራላዊ ናይ ምምሕዳራዊ መዋቕር ይኽተላ እየን።ሃገርና ኢትዮጵያ 'ውን ፌደራላዊ ምምሕዳራዊ መዋቕር ካብ ዝኽተላ ሃገራት ሓንቲ እያ።ባህርያት ፌደራላዊ ስርዓት ድማ ክፍፍል ስልጣን፤ምኽባር መንነት ዜጋታትን ዴሞክራስያዊነትን ካብቶም ቡዙሓት እቶም ውሑዳት  እዮም።
   ይኹን 'በር ሃገርና ኢትይዕጵያ ን26 ዓመታት ብፌደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ ተኸቲሉ ዝገዝእ ዘሎ ኢህወዴግ ፤ሃገርና ናብ ዝኸፍአ ፖሎቲክስዊ ቅሉውላው ከቃልዓ 'በር ባህርያት ፌደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ ከተግብር ኣይተርአየን። ምኽንያቱ ስርዓት ኢህውዴግ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ እዚ ስርዓተ ምሕደራ ኣብ ህዝብታት ኢትዮጵያ እንትዝርገሖ ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ተፀኒዑ እንተይኮነስ ንዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ይኾነኒ ካብ ዝብል እዩ።
   ንኣብነት እቲ ባዕሉ ዘፅደቖ ሕገ መንግስቲ ብዘይምኽባሩ ምኽንያት ንዘመናት ብሓባር ተኸባቢሮም ተኸኣኢሎም ክነብሩ ዝፀንሑ ህዝብታት ሃገርና ብቛንቋ፤ ብዘርኢ፤ ብሃይማኖት፤ብማሕበራዊ ርክብ እናፈላለየ ሎሚ ናብ ዝኸፈአ ሕድሕዳዊ ግጭትን ቅርሕንትን እናመርሖም ይርከብ።ሎሚ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ከም ኢትዮጵያውነቱ ብነፃነት ክንቀሳቐስን ኣብ ዝደለዮ ቦታ ናይ ምንባር መሰሉ ተመንጢሉ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ኣራዊት ክቕጥቀጥ ይረአ ኣሎ።
   እዚ ድማ ስርዓት ኢህወዴግ ንትውልዲ ዝኸፋፍል ብዝኽተሎ ስትራተጂ ብምዃኑ ክባብያዊ መንነት ባይታ ረኺቡ ኢትዮጵያዊ መንነት እናሃሰሰ  ክኸይድ ብምግባር ህዝብታት ኢትዮጵያ ድማ ናይ ሓድነት ባህሎም ብምድኻም ኣብ ውሽጦም ቅርሕቲ ክፍጠር ገይሩዎ ይርከብ።ብምዃኑ ድማ ሕዚ ኣብ ሓደ ሓደ ከባባታት ከም ንዕዘቦ፣ብሰንኪ ሕድሕዳዊ ግጭት ኑፁሃት ዜጋታት ክፈናቐሉን ሂወቶምን ንብሮቶምን ክስኡኑ ምኽእእሎም ውፅኢት ናይ ኢህወደጋውያን ናይ ጥፍኣት ተንኮል ምዃኑ እዩ።
    ኢህወደግ ብዝፈጥሮ ተንኮል ኣብ ሞንጎ ኣሓት ህዝብታት ሕድሕዳዊ ግጭት ንኽለዓል ብምግባሩ ትካላት ዩኒቨርስቲ ከይተረፈ ናይ ትምህርቲ ትካላት ምዃነን ዘንጊዐን ግዳይ መሰጎምቲ ብሄርተኝነት እናኾነ ይርከባ።ከም ኣብነት ንምጥቃስ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልላት ኦሮሞን ሶምልን ብዝተልዓለ ግጭት ስዒቡ ኣብ ጅግጂጋ ዩኒቨርስቲ ዝመሃሩ ተወለድቲ ኦሮሞ ኣብ ስግኣት ከም ዝርከቡ፤ኣብ ትግራይ ዩኒቨርስቲ ኣኹሱም ፤ኣብ ኣምሓራ ጎንደር ዩኒቨርስቲ ብተመሳሳሊ ኣብ ከቢድ ራዕዲ ወዲቖም ከም ዘሎው ውሑዳት ኣብነታት እዮም። ኢህወደጋውያን ዝደልዎ ድማ ከምዚ ዓይነት ስግኣትን ምክፍፋልን 'በር ሓድነቶም ዘገድሶም ኣይኮነን።
    ናይ ዜጋታት ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ምኽባር፤ ዜጋታት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ሃገሮም ውሽጢ ዝህሉ ፖሎቲካዊ ጉዳይ ዝነቕሐ ተሳትፎ ክህሉዎም ምግባር ናይ ፌደራላዊ ስርዓት መሰረተ ሓሳባት ምዃኖም ተዘንጊዑ፣ናይ ኢህወደጋውያን ፌደራሊዝም ግን"ንሰይጣን ኣይትሃቦ ስልጣን"ከም ዝተብሃለ ኣብታ ሃገር ዴሞክራሲ ንኽሰፍን፤ሰላም ብዘላቕነት ክረጋገፅ ኣብ ክንዲ ምስራሕ ስልጣኖም ብሓይሊ እናተጠቐሙ ኣምባገነንነት ብምጥንኻር ይጎዓዙ ኣሎው።
   ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕቶ ሰናይ ምምሕዳርን መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጥን ተተሓሒዙ ዜጋታት ሕገ-መንግስቲ ብዘፍቅዶ መሰረት ሰለማዊ ሰልፊ ብምግባሮም ጥራሕ ክእሰሩ፤ክቕተሉን ብምግባር ኢህወደጋውያን ፍፁማዊ ናብ ዝኾነ ኣምባገነንነት ተቐይሮም ብደም ኑፁሃት ዜጋታት ተጨማሊቖም ይርከቡ።
   ብሓፈሻ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዘሎ ስርዓት ፌደራሊዝም ንባዕሉ ኣብ ስልጣን ከፅንሖ ብዘኽእል ናይ ተንኮል ኣሰራርሓታት ብምስዓብ ህዝቢ ናይ ሓድነት ክብሩ ብምድኻምን ብምክፍፋልን ነንባዕሉ ክበላዕ ኢሉ እውን ክናወፅ ብምግባር፤ኣብ ሞንጎ ድማ ዓራቒ መሲሉ ብምእታው ናይ ፅልኢ ነዳዲ ብምውሳኽ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝላዓል ተቓውሞ ህዝቢ ኣንፈቱ ንምስሓትን ንምድንጋርን ክብል ክሰርሐሉ ፀኒሑን ኣሎን።
  ከም ሰዓቤኑ ድማ ኣብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብዝሃነፆ ናይ ፅልኢ ድልድልን ናይ ብሄራት ግጭትን ኣምሓሩ እንትምስሉ"ለሰው ጠላቱ ይወጣል ከቤቱ"ከም ዝተብሃለ ኣጠናኺሩ እናሰረሐሉ ይርከብ።ውፅኢቱ ድማ ሕዚ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖሎቲካዊ ነውፂ ናይዚ መርኣያ እዩ።እዚ ድማ እታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ሓደጋ እናወሰዳ ከም ዝርከብ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝኽወል ጉዳይ ኣይኮነን።
  ስለዚ ፋሽሽታዊ ስርዓት ኢህወዴግ ሰይጣናዊ ተግባራቱ ኮኒና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ከምኡ 'ውን ሓድነታ ዝተሓለወት ኢትዮጵያ ንምቕፃል፤ኢትዮጵያውነትናን ባህልናን ክብርናን ኣጠንኪርና ብማዕርነት፤ ብነፃነት፤ ብሰላምን ፍቕርን ንምንባር ኩላትና ኢትዮጵያውያን "ውሑጅ ከይመፀ መንገዲ ውሑጅ ክንፀርግ ይግባእ ንብል"።

No comments:

Post a Comment