Monday, December 31, 2012

ኣብ ዞባ ኣዊ ካብ ዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ልዕሊ 12 ሚልዮን ብር ከም ዝተጠፋፈአ ተፈሊጡ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዌ ኣብ ከተማ ዳንግላ ካብ 10-19 ታሕሳስ 2005 ዓ/ም ብሓላፊ ገንዘብን ኤኮኖምያዊ ልምዓትን ኣቶ ገበያውን ወ/ሮ ይዛኑ ተመሪሑ ኣብ ዝተዋሃበ ስልጠና ኦዲት ከም ዝተረኣየ፤ ኣብ’ዚ ዓመት እዚ 12 ሚልዮን ብር ከም ዝተጠፋፈአ ብክኢላታት ከም ዝተረጋገፀ ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
   ብመሰረት ዝበፀሐና ሓበሬታ፤ እቲ ዝተጠፋፈአ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ 12 ሚልዮን ብር፤ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢህወዴግ ኢድ ኣታዉነት ምስ ክኢላታትን ሰብ-ሞያን ብምምሽጣር ወፃኢ ክኸዉን ተጌሩ ዘጠፋፍእዎ ምዃኑ ተሓቢሩ።