Monday, December 31, 2012

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣብ ወረዳ ዳሞትን ከተማ ፍኖተ ሰላምን ንዝርከቡ ዕጡቓት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ፤ ብ17 ታሕሳስ 2005 ዓ/ም ኣኼባ ከም ዝተካየድሎም ተሓቢሩ።

 ኣብ ክልል ኣምሓራ  ዞባ  ምዕራብ ጎጃም ኣብ ወረዳ ዳሞትን ከተማ ፍኖተ ሰላምን ንዝረከቡ ዕጡቓት፤ ዋርዲያታትን  ንኣባላት ፍሉይ ሓለዋን፤ በቲ ናይ’ቲ ከባቢ ሓላፊ  ፀጥታ ፤ተቓወምቲ ዕጡቋት ኣትዮም ኣለዉ ብዝብል ጥብቒ ሓለዋ ክገበር ኣለዎ ዝብል መምርሒ ከም ዝሃቦም ተፈሊጡ።
  ብተወሳኺ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ሰበስልጣን ወያነ  ኢህወዴግ፤ ኣብ መላእ ሃገርና ብዘጋጥሞም ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስግኣት ስለ ዝወደቑ፤ ብሽም ጨጉረ ለወጥ  ሰብኣዊ መሰል ህዝብታት ብምጥሓስ፣ ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ ናብርኡ ከይመርሕ ዝግበር ኣሳሪ ኣኼባ ምንባሩ ካብ’ቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።