Monday, December 31, 2012

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደብረማርቆስ ዘጋጠመ ሓደጋ ሓዊ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋ ኣብፂሑ።


ኣብ’ቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝገለፅዎ። “እዞም ሓደጋ ዝበፅሖም እሱራት ገሊኦም ግዜ ቆፀሮ ዝነበሮምን ገለ ድማ ፍሩዳትን ኮይኖም፤ ሓንቲ ነብሰ ፁር ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም ሓሙሽተ እንትሞቱ ልዕሊ 16 እሱራት ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ከም ዝበፅሖም ኣረዲኦም።
ኣብ ልዕሊ እሱራትን ዝኸፈአ ሓደጋ ከብፅሕ ዝኸአለ ኣብ’ቲ ዞባ ዝተመደባ መጥፋእቲ ሓዊ መኪና ብዘይምህላወን ምዃኑ ዘረደኡ እቶም ወሃብቲ ሓበሬታ፤ መንግስቲ ባርዕ ሓዊ ብተደጋጋሚ ኣብቲ ከባቢ ዝለዓል ምዃኑ እናፈለጠ ዝኾነ መከላኸሊ ከዳሉ ብዘይምኽሉ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ህይወትን ብዝበፅሕ ዝፀነሐ ሓደጋ ሕብረተሰብ ክጉዳእ ዝፀነሐ ምዃኑ ገሊፆም።
መበገሲ ባርዕ ሓዊ ቤት ማእሰረቲ ደብረማርቆስ ክሳብ ሕዚ ዝተገለፀ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፤ ምልግጋብ መደቀሲ ክፍልታት እሱራትን መስርሒ ምግብናን ከም ዝኾነን እቶም ተዓዘብቲ ወሲኾም የረድኡ።
ኣብ ልዕሊ እሱራት ሕጊ ከም’ዚ ዓይነት ሓደጋ ከጋጥም ንመጀመርያ ግዜ እኳ እንተዘይ ኮነ፤ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣብ ልዕሊ እሱራት ዘርእዮ ዘሎ ሸለልትነትን ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ዝእሰሩ ልዕሊ ዓቐን ብምዃኖም ኣብ መላእ ሃገር ዘለው ኣብያተ ማእሰርቲ ህንፃታቶም ኣሪጉ ብምፍራስ፤ ብሓደጋ ባርዕ ሓዉን ካልኦት ኣጋጣሚታትን ህይወቶም ብኮንቱ ይስእኑ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ብርክት ዝበሉ እሱራት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ብምፍራሱ ልዕሊ27 እሱራት እንትሞቱ ብርክት ዝበሉ ብፅኑዕ ምቑሳሎም ይፍለጥ።