Saturday, December 29, 2012

ኣብ ከተማ ኣላማጣ ገዛና ኣይፈርስን ዝብል ሓያል ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፊ ብ14 ታሕሳስ ብነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝተኻየደ ተሓቢሩ፣

-->


ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፤ ከተማ ኣላማጣ ልዕሊ 5,500 መንበሪ ገዛ ንኢንቨስተራት ክወሃብ እዩ ዝብል ብዘይ ናይ ህዝቢ ፍቓድን እምነትን። ብሓይሊ ገዛዉቱ ክፈርስ ምዉሳኑ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቐት ዘመላት እዩ ክብሉ ነበርቲ መረረቶም ከም ዝገለፁ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ገዝኦም ክፈርስ ተወሲንዎም ዘለዉ ወገናት ካብ 20 ክሳብ 30 ዓመታት ግብሪ እናኸፈሉ ደቆም ዘባፅሕሉ ቦታ ሎሚ ናይ ክልል ትግራይ ኣመሓደርትን ሰብ ዉልቀ ሃፍትን ንነብሶም ክብሉ ብ10ታት ኣሸሓት ህዝቢ ከፍናቕሉ ላዕልን ታሕትን ምባሎምን። ህዝቢ ከተማ ኣላማጣ ነቲ ምፍራስ ገዛዉቲ ይቃወሞ ስለ ዘሎ  ካብቲ ህዝቢ ዝኣምንዎም ኣባላት ህወሓት ብምምዛዝ መርኣያ ኩኑ ቀዲምኩም ገዛኹም ኣፍርሱ ይብልዎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ብህዝቢ ከተማ ኣላማጣ ተሰማዕነት ዘለዎም መምህር ሓየሎም ካልኣዩ፤ ኣቶ ጌታቸው ወልዳይን ኣቶ ሰለሙን ኣብርሃን ዝተብሃሉ ንፁሃት ዜጋታት በቲ ስርዓት ዝተኣሰሩ እንትኾኑ ንዉድብ ህወሓት ወኪሎም ኣብ 2002 ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ ምስሉይ መረፃ ሕፁያት ንዝነበሩ ኣቶ ተሸመ ደርበዉን ዝናቡ ኣበበን መለዓዓልቲ ብዝብል ክኣስርዎም እዮም ዝብል ሓበሬታ ዘሎ እንትኸውን ብተወሳኺ ወ/ሮ ያልጋ ወልደሃና ዝተብሃላ ካዓ ተፀውዐን ከም ዝተፍርራሓ ቃል ካብ’ቶም ግዳያት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ናይ ምፍራስ መደብ  ክሳብ ጥሞጋ ዝበሃል ከባቢ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።