Saturday, December 29, 2012

ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ብዛዕባ ኣብ መስመር ዛላምበሳ ዝርከብ መቓብር ኣመንቲ እስልምና እንታይ ንግበር ዝብል መራሕቲ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፤ ሓለፍቲ ፀጥታን ፖሊን ኣብ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።


መራሕቲ ወያነ ኢህወዴግ ነቲ ማሕበረሰብ ሙስሊም ከየማኸሩ ብኢደ ወነኖም ዘፍረስዎ መቓብር 40 ሚልዮን ብርን ቅያር ቦታን ክንህበኩም እቲ ኣብ ቦትኡ ዘሎ መቓብር ካዓ ተረኪቡና ኢሎም ከም ዝሓተቱን፤ እቶም ማሕበረሰብ ሙስሊም ብወገኖም ካብ ፈለማ ምሳ     ከይተማኸርኩም መቓብርና ደፊርኩምን ኣራኽስኩምን ሕዚ ገንዘብ ሓራም ተቀበሉ ምባል ዘሕዝን ‘ዩ ዝብል መልሲ  ከም ዝሃብዎም ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ ሓደ ተወላዲ ብሄረ ዓፋር ኣብ ከተማ ዓዲግራት ድሕሪ ምማ`ቱ    ኣብቲ  መቓብር ከይቕበር  ስለ ዝተራኸሰ ኣብዚይ ኣይንቕበርን ብምባል ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ከም ዝተቐብረ፣  ካብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ  መቓብር ብፌዴራል ፖሊስ ይሕሎ ከም ዘሎ ምኽንያት ሓለዉኡ ኣዘዝቲ እቲ ፌዴራል ፖሊስን ሓለፍቲ ዞባን ከም ዝበልዎ ፀላኢ ፈንጂ ከይቐብረሉ ብዝብል ዝንቡዕ ሓሳብ ነቲ ህዝቢ ከታልሉ ይፍትኑ ከም ዘለዉን። ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ብማሕበረሰብ ሙስሊም ተቓዉሞ ከይለዓል ስግኣት  ስለ ዘለውም፤ ኣብ መልእ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ብኣባላት ፌደራል ፖሊስ፤ ፈጥኖን መደበኛ ፖሊስን ዝተጣናኸረ ሓለዋ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።