Monday, December 31, 2012

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኣባላት ውድብ ዓረና ብኣባልት ፖሊስ ይእሰሩን ይፋራርሑ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

-->


ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ፤ ኣቶ ኣያሌው በየነ ዝተበሃለ ዜጋ ካብ ከተማ ሽረ ናብ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዝኣተወሉ ብዘይ ዝኾነ ገበን ብኣባላት ፖሊስ ከተማ ሸራሮ ኣሲሮም ዝፈትሕዎ እንትኾኑ  እዚ ድማ ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2005 ዓ/ም ንዝካየድ ምስሉይ ከባብያዊ መረፃ፤ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ዉድብ ኢህወዴግ በይኑ ክዕንድር ኣቐዲምካ ዝካየድ ዘሎ ፀረ ህዝቢ ተግባር ምዃኑ ገለ ገለ ወገናት ኣረዲኦም።
   ብተወሳኺ ልኡኻት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ንዝረከብ ንናይ ቤት ፅሕፈት ዓረና መሐበሪ ታቤላ፤ ነቲ ዝነበረ ፅሑፍ ብኻልእ ቀለም ብምጥፋእ ከም ዝበንቀርዎ፤ ከምኡ እዉን ንሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣምሓዳሪ ማይ ካድራ ቀፃሊ ንወኪል ዓረና ንኣይተ መርሳ፤  የፈራርሖ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  ብተመሳሳሊ  መራሕቲ ስርዓት ወያነ እዚ ከም’ዚ ዓይነት ተግባራት ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ሰሓርቲ ሳምረ‘ውን ብልኡዃቶምን ዕሱባት ካድረታቶምን ይፈፅምዎ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።