Tuesday, December 11, 2012

ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከብ ንናይ ጣና በለስ ሕብር ናይ ሽኮር ፋብሪካ ተባሂሉ መሬቶም ዝተወሰደሎም ሓረስቶት ካሓሳ ይኹን መተካእታ መሬት ክሳብ ሎሚ ከም ዘይተውሃቦም ተፍሊጡ፣





እቶም ብዘይ ቅድመ ምድላው መሬቶም ዝተመንጠሉን ዝተፈናቐሉን ሓረስቶት ወረዳ ኣዊ ፍታሕ ንምርካብ ንሓላፊ ልምዓት ገጠር ወንድኣለ ሙሉጌታን ኣየለ ንዝተብሃለ ኣማሓዳሪን ሓቲቶም ዝኾነ ይኹን መልሲ ብዘይ ምርካቦም ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ምህላዎም ተሓቢሩ፣

    ምስ እዙይ ብምትሕሓዝ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ’ቶም ዓሰርተታት ኣሻሓት ገዝኦም ብዶዘራት እቲ ስርዓት ካብ ዝፈረሶም ወገናት። እቶም 10 ሽሕ ጥራሕ ናይ ኮንደሚንየም ገዛ ተፈቒዱሎም ከም ዘሎን እቶም ዝበዝሑ  ግና ንከቢድ ሽግር ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣