Monday, December 10, 2012

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ይስራሕ ኣብ ዘሎ ህዳሴ ግድብ ኣባይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ስራሕ ደው ናይ ምባል ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ፣

-->


ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ነቲ ብዓቕሚ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ክስራሕ ተባሂሉ ሳሊ ንዝተብሃለ ካምፓኒ ንክሰርሖ ኩንትራት እኳ እንተተዉሃቦ ኣብ’ቲ ስራሕ ዘሎ ግዕዙይን ኣፀየፍቲ ተግባራትን ዝተልዓለ ልዕሊ 1500 ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ካብ 14 ሕዳር ክሳብ 17 ሕዳር 2005 ዓ/ም ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ከም ዝገበሩ ተፈሊጡ፣
ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወኪላትን ሓለፍትን ወያነ ኢህወዴግ ነቲ መሰልናን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትናን ይከበር። ደሞዝና’ዉን ምስ ስራሕና ዝመጣጠን ይከፈለና ብምባሎም ካብ’ቶም ናይ ተቓዉሞን ስራሕ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ዝገበሩ መለዓዓልቲ ተባሂሎም 10 ንፁሃት ወገናት ከም ዝተኣሰሩ ተሓቢሩ፣
እዚ ከም’ዚ እሉ እንከሎ። ኣብ’ቲ ናይ ህዳሴ ግድብ ኣባይ ብሓላፍነት ዝተቐመጠ ጣልያናዊ ንደቂ ኣንስትዮ ዝደፍር ዘሎ ምዃኑን ካብ’ተን ዝተደፈራ ሓንቲ ገነት ዝተበሃለት ኣገዲዱ ከም ዝዓመፃ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብዘይካ ዉልቃዊ ሂወት ሰበ ስልጣንን ካድረታትን እምበር ንሉኣላዉነት ህዝብን ሃገርን ስለ ዘይግደስ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ዉሽጢ መረባና እዉን ክብርናን ባህልናን እናተመረዘ ንምዕጋቱ ዘይብገስ ግዕዙይ ስርዓት ምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ ክብሉ ግዱሳት ወገናት ካብ’ቲ ቦታ ብምረት ከም ዝተዛረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣