Tuesday, December 11, 2012

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ጣብያ ማዕበል ኣብ እንዳ ወ/ሮ ኣራደሽ ዝተበሃላ በዓልቲ ገዛ ተኻርዩ ዝነብር ዝነበረ ዜጋ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ብለይቲ ከም ዝተቐተለ ተሓቢሩ፣




ካብ እዋን ናብ እዋን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ህይወት ሰብ ናይ ምጥፋእ ተግባር። ሰበ-ስልጣን ክልል ኮኑ እቲ ዞባ ዉሕስነት ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምርግጋፅ። ብሽም ጨጉሪ ለወጥ ዝብል ንህልዉና ስርዓቶም ዘስገኦም ሰብ። ብልእዃቶም ኣቢሎም ይቐትሉ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

እተን ባዓልቲ ገዛ ወ/ሮ ኣራደሽ ዝተበሃላ ተኣሲረን እኳ እንተሃለዋ ቀንዲ መእሰሪአን ብሕልፈተ ሂወት። እቲ ኣብ ገዝአን ዝነብር ዝነበረ   ዜጋ ብኸመይ ተቐቲሉ ዘይኮነስ። ንጨጉሪ ለወጥ ኣብ ገዛኺ ኣካሪኺ ብዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ፣

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣባላት ፀጥታን ፖሊስን ዝኾነ ዕለታዊ ስርሑ ከሰላስል ዝንቀሳቕስ ሰብ ደዉ እናበሉ። ኣብ ሞባይሉ ዘሎ ቁፅሪ ቴሌፎን ናይ ፅሑፍ መልእኽትን ብምፍታሽ። ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን መሰል ነበርቲ እቲ ዞባ ይጥሕሱ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣