Wednesday, December 19, 2012

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ንመስርሒ ሕብረ ሽኮር ፋብሪካ ተባሂሉ። ይስራሓሉ ኣብ ዘሎ ከባቢ ጣና በለስ ዝነብሩ ሓረስቶት ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝወደቑ ተሓቢሩ፣


እቶም ኣብ ወረዳ ጃዊ ከባቢ ጣና በለስ ሰፊሮም ዝነበሩ ቅድም ክብል እዉን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዓሌታዊ ፌደራሊዝም ስርዓት ካብ ክልል ኦሮምያ ተፈናቒሎም ዝሰፈሩ ምንባሮም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብሽም መሰረተ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ሓረስቶት እናፋናቐለ። ኣብ ሽግር ዘዉድቕ ዘሎ ዉልቀ መላኺ ስርዓት። ሓረስቶትን ነበርትን ወፕላሴ። ኣሉኩራንዲ። ኣይማ። ኢላላን ካልኦት ከባቢታትን ናይ ዝርከቡ ሓረስቶት መንበሪ ገዛዉትን ናይ ሕርሻ መሬቶምን ብምሕዳግ። ብሓይሊ ኣብ ሰንደቃ ዝተብሃለ ቦታ ብኣስገዳድ የስፍሮም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዝዘርጋሕናዮ ዜና እቶም ዝተፋናቐሉ ሓረስቶት ብዘይ ምንም ቅድመ መሰረታዉያን ኣገልግሎት ወሃብቲ ናብ ዘይብሉ ምስፋሮም ምግላፅና ይዝከር፣
ካብ ክልል ኣምሓራ እንተይወፃእና ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ዝርከቡ ሰበ ትካል ነጋዶ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ ተወሲንዎም ክኽፍሉ ብዘይ ምኽኣሎም ብሰበ ስልጣን እቲ ክልልን እቲ ዞባን ትካልኩም ክውረስ እዩ እናበሉ የፋራርሕዎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣
ብመሰረት እቲ ሓብሬታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ካብቶም ንብረቶም ክዕሸግን ክዉረስን ምዃኑ መጠንቐቅታ ዝተዉሃቦም ነጋዶ። መንእሰይ ፀጋዬ ዝተብሃለ 150 ሽሕ። ወናኒት ፍቕርተ ቤት ምግቢ 50 ሽሕ ተዘይከፊሎም ክዉረሱ ምዃኖም ከም ዝተነገሮም ኣረዲኡ፣