Wednesday, December 19, 2012

ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ብሽም ኢንቨስትመንት ናይ ተፈጥሮ ኣግራባት እናጨፍጨፈ ነታ ክልል የባድማ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣

-->

ኣብ ዞባ ፓዌ መትከል ኣብ ዙርያ ከተማ ችግኒ ዝርከብ ልዕሊ 40 ሄክታር ሽፊኑ ዝፀነሐ ናይ ተፈጥሮ ኣግራብ። ንክርቢት ፋውርካ ብዝብል የብርስዎ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
ብተወሳኺ ሰበ-ስልጣንን ካድረታትን እቲ ክልል ምስ ዉልቀ-ሰብ ሃፍቲ ብምምሽጣር። ህዝቢ ክልል ቤንሻንጉል ንዘመናት እናተኻናኸነ ዘፅነሖ ተኽሊ ኣርቃይ። ሕጋዊ ፍቓድ ብዘይብሎም ናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት የባድምዎ ብምንባሮም። ህዝቢ እቲ ከባቢ ሓያል ተቓዉሞ ኣልዒሉ ከም ዝነበረ ይዝከር፣