Sunday, December 16, 2012

ከተማ መቐለ ፌዴራል መንግስቲ ተረኪቡ ከመሓድራ ምዝርራባት ከም ዝተገበረ ካብ ኣባላት ህወሓት ዝወፀ ምስጢር ኣቓሊዑ፣

-->



ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ነታ ትማሊ ርእሰ ከተማ ክልልና ሰሜናዊት ኮኾብ እናበለ ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ከኣ ንነባሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ ይዉድሶ ከም ዘይነበረ። ሎሚ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ናብ ከተማ ኣክሱምን ሽረን ንምቕያር ላዕልን ታሕትን  ይብል ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣

እቶም ንሕና ዝበልናካ ስማዕ ዝብሉ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ክልል ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት መጀምርያ ካብ ከተማ መቐለ ናብ ከተማ ኣኽሱም ሓሲቦም ዝነበሩ እንትኾኑ። ብሰንኪ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ናይ ማሕበረሰብ እስልምና ምንቅስቓስ ኣብ ኣኽሱም‘ዉን መስጊድ ይሰረሐልና ዝብል ሕቶ ብቐረባ ክለዓል ስለ ዝኽእል ብዝብል ዘይምኹኑይ ሓሳብ ናብ ከተማ ሽረ ከም ዝቐየሩ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ከተማ ሽረ ክስራሕ ዝበሃል ዘሎ ናይ ክልል ቤት ፅሕፈት ኣብ’ታ ከተማ ኣብ ጣብያ ሕብረት /ቀበሌ 03/ ፀግዒ እንዳስላሴ ቤተ ክርስትያን ክኸዉን ስለ ዝተወሰነ። ኣብቲ ከባቢ ንዝነብር ህዝቢ ርትዓዊ ዘይኮነ ላዉጣ መሬት ክህቦዎ ከም ዝወሰኑ  ተሓቢሩ፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ሰበ ስልጣን ክልልን ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብን ነቲ ዝለዓል ህዝቢ ንዓኹምን ንደቅኹምን ዝጠቅም ፋውርካ ክንሰርሐልኩም ኢናብምባልንህዝቢ ከዳናግሩ ይፍተኑ ከም ዘለዉን ። ቅያር ድማ ሚኢቲ /100/ ካሬ ሜትር ብዘይ ሊዝ ክንህበኩም ኢና እኳ እንተበልዎ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣይ ኣኽለናን እንተበለ እኳ። እንተኣቢኹም ልዕሊኡ ብሊዝ ዉሰዱ ክብሉ ነቲ ነባሪ ህዝቢ ምስ መለስሉ። ህዝቢ ብወገኑ እንበኣር ዝበልኩም በሉ ዝመፀ ይምፃእ ካብ መረበትና ኣይንለቂቕን ከም ዝበለ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣