Wednesday, December 19, 2012

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ መስመር ዓዲግራት-ዛላንበሳ ከባቢ ቀርሰበር ዝርከብ ናይ ኣመንቲ እስልምና መቓብር ምፍራስ ዘበገሶ ተቓዉሞ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣

-->


እቲ ኣብ ከባቢ ቀርሰበር ካብ ቀንዲ ፅርግያ ርሕቕ ኢሉ ዝርከብ ነባር መቓብር ማሕበረሰብ እስልምና። ፅርግያ ክነግፍሕ ኢና ብዝብል ምኽንያት ብዶዞር ስለ ዝፈሓርዎ። ብሄረሰብ ትግርኛ ጥራሕ ዘይኮኑ ናይቲ ከባቢ ተወለድቲ ብሄረሰብ ዓፋር’ዉን ናይ ወገናቶም ዓፅሚ ዝተቐበረሉ ብምዃኑ ተቓዉሞኦም የስምዑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። እቶም ተወለድቲ ዓፋር ናብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ብምኻድ ዓፅሚ ወገናትና ተቐቢርሉ ንብዙሕ ዓመታት ተኸቢሩ ዝፀንሐ ቦታ። ህዝቢ ከየማኸርካ ምፍሓሩ እቲ ስርዓትን ኣብ ስልጣን ዘለዉ መርሕነትን ክብሪ ህዝብን ሃገርን ዘይፈልጡ ደፋራት እዮም ክብሉ ገሊፆም፣
ብተመሳሳሊ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብዘይ ናይ ማሕበረሰብ እስልምና ፍቓድ መቓብር ብምፍራሱ ከቢድ ተቓዉሞ ከም ዘልዕል ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ገሊፅና ምንባርና ይዝከር፣