Wednesday, December 19, 2012

ኣብ ኣብያተ ህንፀት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ምህላዉ መንግስታዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ንመጀመርያ ግዜ ብግልፂ ኣሚኑ፣

 
እቲ ኮሚሽን ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተኸበረ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ካልኦትን ኣመልኪቱ ኣብቲ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝቐረበ መፅናዕቲ ከም ዘረድኦ። ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተደንገጉን ሃገርና ተቐቢላ ዘፅደቐቶም ዓለም ለኸ ሰብኣው መሰል ብዝፃረር መልክዑ። ኣብ ገለ ኣብያተ ህንፀት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ልዕሊ ተሃነፀቲ ይፍፀም ከም ዘሎ ግልፂ ጌሩ፣
ኣብ ኣብያተ ህንፀት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ደቂ ኣንስትዮ፤ ህፃናት፤ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋዉያንን ጉድኣት ኣካላትን ዝፍፀም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሳሳቢ እዪ ዝበለ እቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ። ኣብ ኩሉ ኣብያተ ህንፀት ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ድማ ናይ ምግቢ ሕፅረት፤ ፅሬትን መደቀስን እቶም ብግልፂ ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገማት ፍታሕ ይግበረሎም ብዘይምህላው ሳዕቤኑ ብቐሊሉ ዝረአ ከም ዘይኮነ እቲ ኮሚሽን ኣገንዚቡ፣
ኣብ ኣብያተ ህንፀት ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ተሃነፅቲ ዉሽጢ 62 ሚኢታዊ ዝኾኑ ብሕማም ኣእምሮ ኣናተሳቕዩ ምዃኖም። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2005 ዓ.ም ብሓላዋ ጥዕና ኣብ ዝወፀ ፀብፃብ ምግላፁ ዝዝከር እዩ፣
ካልኦት ተወሰኽቲ ሓበሬታ ከም ዘመልክትዎ ኣብ ኣብያተ ህንፀት ተኣስሲሮም ዝርከቡ ዜጋታት። ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘአካይዳ ዉድባት ርክብ ኣለአኩም እናተባሃሉ ዝእሰሩን ከም’ዉን ተኣሲሮም ዝርከቡ መራሕቲ ሕብረተሰብ እስልምና ሃይማኖትን ብስዉር ዘስካሕክሕ ድብደባን ዝተፈላለዩ  ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕን ከም ዝወርዶም የረድእ፣