Wednesday, December 19, 2012

ፓርላማ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ስሩዕ ኣኼባ ከም ዘየካይድ ዘሎ ተሓቢሩ፣

-->


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2005 መወዳእታ ሰሙን ሳልሳይ ዓመት ስራሕ ዘመኑ ዝጀመረ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ሰሉስን ሓሙስን ክካየድ ዝግብኦ ስሩዕ ኣኼብኡ መብዛሕትኡ ከም ዘየካየደ ተገሊፁ፣
ብመሰረት ስነ-ስርዓት ደንቢ ኣሰራርሓ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ኣኼባ ከካይዱ ይግብኦም እኳ እንተኾነ ስራሕ ካብ ዝጀምረሉ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ ክሳብ ሕዝናዮ ዘለና ወርሒ ታሕሳስ መጀመርያ ሰሙን 18 ግዜ ስሩዕ ኣኼባ ከካይዱ እናተገበኣ ክሳብ ሕዚ ዘካየዶም ሽድሽተ ስሩዕ ኣኼባ ጥራሕ ኮይኑ። እቲ ናይ መወዳእታ ስሩዕ ኣኼባ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብቐዳማይ ሚኒስተር እቲ ስርዓት ሓዱሽ ካብኔ ኣቕሪቡ ዝፀደቐሉ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ፣
ድሕሪ እቲ 20 ሕዳር 2005 ዓ.ም ክካየድ ዝነበሮ ኣኼባ ፓርላማ ብዘይምክያድና ይቕሬታ ንሓቲት” እናተበሃለ። ኣብ ከባቢ መንበሪ ኣባላት ቤት ምኽርን ኣብ መእከቢ ቤት ምኽሪን ዝርከብ ሰሌዳን ማስተወቅያ ምልጣፍ ልሙድ ኮይኑ ይቕፅል ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
ቀንዲ ስራሕን ተግባርን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብኣፈፀምቲ ዝቐርበሉ ረቂቕ ኣዋጃትን ባዕሉ እቲ ቤት ምኽሪ ዘመንጨዎ ሓሳባትን ተረዳድኡ ምፅዳቕን  ወይ ንኣካላት መንግስቲ ምቁፃፅር ከምኡ እዉን ናይ ስራሕ  ሪፖርት ኣብያት ፅሕፈት ምስማዕ እኳ እንተኾነ፣
ኣብዚ ሕዚ እዋን ልሙድ ስርሑ ገዲፉ ዘሎ ፓርላማ ብኣካላት ፈፀምቲ ዝቐርቡ ኣዋጃት እንተዘይሃልዮም ስነ ስርዓት ወፂእዎ ብኣዋጅ ዝፀደቐ መእከቢ መዓልቲ ቤት ምኽሪ ቆላሕ ዝብሎ ስኢኑ ኣብ ሕቶ ምልክት ወዲቑ ይርከብ ክብል እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ቤት ምኽሪ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ሕቶ እንተሃልይዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ፀዊዑ ምሕታት ስልጣን ዘለዎ እንትኾን። ብተመሳሳሊ ንካልኦት ዝተፈላለዩ ጫንፈራት ሚኒስተር ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ብምፅዋዕ ብዛዕባ ስራሕ ኣፈፃፅማን ኣተገባብርኦምን ካልኦት ተኣሳሰርቲ ጉዳያት ክጥቕይ ጉብኡ ምዃኑ እናተፈለጠ። ኣብ ዉሽጢ እዚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ወርሒ ስሩዕ መእከቢ መዓልቲታት ብዘይ ዝኾነ ስራሕን ተግባርን እናተሳገረ  ፍርቂ ዓመት ንኽዉዳእ ሕደት ሰሙናት ተሪፍዎ ከም ዘሎ ይፍለጥ፣