Sunday, January 6, 2013

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርሲቲ ኣራት ኪሎ ብ24 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ኣብ መንጎ ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞን ኣምሓራን ብዝተወለዐ ግጭት ናይ ሓደ ዜጋ ህይወት ከም ዝጠፍአ ተፈሊጡ።



እቲ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞን ኣምሓራን ዝተወለዐ ግጭት ኣብ ሽንቲ ቤት እቲ ዩንቨርሲቲ “ጋላ” ዝብል ፅሑፍ ንተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ንስኹም ፅሒኩምዎ ብዝብል ምኽንያት ተወለድቲ  ብሄረ ኦሮሞ  ሰዓት 10፣00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄረ ኣማሓራ  እምኒ ከም ዝደርበይሎም  ምንጭታትና  ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ እቲ ቅድም ክብል ‘’ጋላ’’ን ካልኦት ኣፀየፍቲ ፀርፍታትን ኣብ ሽንቲ ቤት ተፃሒፎም ዝነበሩ ፅሑፋት ብተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ፤  ብካልእ ቀለም እኳ ከጥፍእዎ እንተፈተኑ፣ ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞ ብወገኖም ነቲ ፅሑፍ ኩሉ ንኽዕዘቦ ክርኦን ምእንታን ነቲ ካልእ ቀለም ብማይ ሓፂቦም ክረአ ከም ዝገበርዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ዝተኻየደ ግጭት 20 ተማሃሮ ከም ዝቖሰሉን፤ ክልተ ካብቶም  ብፅኑዕ ከም ዝቖሰሉ  እቲ ሓደ ሆስፒታል ምስ ኣተወ ብ26 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም ሂወቱ እንትስእን እንከሎ እቲ ካልእ ዜጋ ዉቃዑ ኣብ ርእሱ ስለ ዝኾነ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከም ዘሎ  ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የምልክት።

እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣራት ኪሎ፣ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ዝተወለዐ ግጭት ምኽንያት መስቲያት ናይ መመገቢ ኣዳራሽ መደቀሲ ተማሃሮን  ከም ዝተሰባበረ እንትኾን፣ ኣብቲ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ዝነበራ ናይ ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ ትርከበን ሰለስተ መካይን’ዉን ከም ዝተጨፍለቓ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ግጭት መለዓዓልቲ ኢኹም ብዝብል ልዕሊ 100 ተማሃሮ ናብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ተወሲዶም እንትእሰሩ፣ ናብ ቐፅሪ ኣደስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዝኣትውን ዝወፁን ተማሃሮ እናተፈተሹ ይወፁን ይኣትዉን ከም ዘሉው ፖሊስ እቲ ስርዓት ከኣ ካብ ኣራት ኪሎ ጀሚሩ ክሳብ 6 ኪሎ ዘሎ ከባብታት ተዋፊሩ፣ ጥቡቕ ሓለዋ የካይድ ከም ዘሎ ካብ ከተማ ኣዲስ አባባ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ዝተወልዐ ግጭት ኢድ እቲ ስርዓት ክህልዎ ከም ዝኸእል ገለ ወገናት ይገልፁ።