Monday, April 28, 2014

ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ናይቲ ስርዓት እሙናት ዝኾኑ ካድረታትን ኣዘዝቲ ፖሊስን ኣኪቦም ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፖሊስ ዝርከብዎም ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ብምቅዋም ነቲ መድረኽ ረጊፆም ከም ዝወፁ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ፖሊስ ኣብ ምሻጥ ኣፅዋር፤ ጉቦ ኣብ ምቕባልን ብኮንትረባንድ ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምስግጋርን ቀዳሞት እዮም ኢሎም እቶም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ምስ ገምገሙ ሓላፊ ፖሊስ ክልል ትግራይ ዝኾነ ወዲ ሻምበል ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ድማ ነቲ ኣኼባ ረጊፁ ከምዝወፁ ተፈሊጡ።

   ብተመሳሳሊ ካብቶም ተሳተፍቲ ሓደ ዝኾነ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝኾነ ኮማንደር ገብረኺዳን (ወዲሸራሮ) ብወገኑ ህዝቢ ኣኪብኩም ካብ ተዋርዱና ንበይንና ጥራሕ ዘይትግምጉሙና ብምባል ነቲ መድረኽ ረጊፁ ከም ዝወፀ ተፈሊጡ።