Sunday, January 6, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ገባር ሽረ መአከቢ ኣዳራሽ ብናይ ክልል ትግራይ ኦዲትን ፋይናንስን ዝተመርሐ ዘይዕዉት ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ገባር ሽረ መአከቢ ኣደራሽ ናይ ዞባ ሓለፍቲ፣ ኣብቲ ዞባ ናይ ዝርከባ  ናይ ሽዱሽተ ወረዳታት ኣማሓደርትን ናይ ሴክተራት ሓለፍቲ ከምኡ እዉን ናይ ጣብያታት ሓለፍትን ኣካየድቲ ስራሕን ዝተረኸብሉ ኣኼባ ገለ ገለ ግዱሳት ወገናት ናይቲ ህዝቢ መረረት ከስምዑ ኣብ ዝፈተንሉ ኣፍካ ሓዝ ዝዓይነቱ ምጉጣጥ በቶም መራሕቲ መድረኽ  ከም ዝበፀሖም  ተፈሊጡ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ እቶም ካብ ክልል ትግራይ ዝመፁ ልኡዃት ሒዞም ካብ ዝመፁ ሸዉዓተ ዝርዝር ኣጀንዳታት።
1.     መንግስቲ ወጢንዎም ዝነበሩ ዘይተተግበሩ መደባት ዘምፅእዎ ሳዕቤናት እንታይ ይመስል ምስ ህዝቢ ኸ ብከመይ ምርድዳእ ይከኣል?
2.     ኣብ ህዝቢ ዝረአን ዘማርረሉ ዘሎ ኣገልግሎት ምሕደራን ዝምልከተና ኣካላት ብኸመይ ንግምግም?
3.     እምነት ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እንታይ ይመስል?
4.     ናይ ጣብያን ወረዳን መረፃ ህዝቢ ብኸመይ ክቕበለና ይኽእል?
5.     ግብሪ ብዝምልከት ሕብረተሰብ የማርር ኣሎ ህዝቢ ብኸመይ እዩ ተረዲኢዎ ዝምልከተኩም ኣካላት ከ ብኸመይ ኢኹም ኣረዲኢኹሞ?
6.     ኣብ ፀጥታ ዝምልከት ከኽብሩ ዝግበኦም ፖሊሳትን ዑጥቛትን ፀጥታ ኣብ ምኽባር ሸለል ብምባል ናብ ዉልቀ ስረሖም ይኸዱ ኣለዉ። ስራሕ መንግስቲ ንመን ገዲፎም ይኸዱ ኣለዉ?
7.     ኩላህና ንዕዘቦ ዘለና ህዝቢ ካባና ሪሕቁ እዩ ዘሎ ምስ ህዝቢ ብኸመይ ክንረዳዳእ ንኽእል? ዝብሉ። ናይ ዓቕሊ ፅበት ኣጀንድኦም ኣብቲ ኣኼባ ክዝርዝርዎ እኳ እንተፈተኑ እቲ ፀግዒ ህዝቢ ዝኾነ ወገን፣ ብምጉርምራም ካብ ልቡ ከም ዘይቕበሎ ከም ዝገለፀሎም ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝነበሩ ግዱሳት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ህዝቢ ትግራይ ብካድረታት ህወሓት ዓመት መፀ ኣብ ኣኼባ ዘይትግበር መብፅዓ ብምእታው ህዝቢ እናታለሉ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ላዕልን ታሕትን እኳ እንተበሉ፣ ብወገን ህዝቢ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ግና ናይ ተግባር ሰባት ኣይኮንኩምን ምትላል ይኣክል ክብል ነቶም ልኡዃት ብግልፂ ከም ዘብረሀሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተወሳኺ  ኣብ ገባር ሽረ መአከቢ ኣደራሽ ዝተረከቡ ኣኼበኛታት ኣብ ክልል ትግራይ  ዘለኹም ኮኑ ኣብ ካልእ ናይ ሓላፍነት ቦታ እትርከቡ ተሓታትነት ዝበሃል ነገር የብልኩምን፣ ኣብ ግዕዝይና ዝጠሓልኩም ብምዃንኹም ነቶም ብማስረጂ ዝተሓዙ ኣብ ግዕዝይና ዝጠሓሉ፣ ንኣብነት ካብ ዞባና ኣማሓዳሪ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብራሃለይ ኣበራን ናይ ገጠር ልምዓት ሓልፊ ኣለም ግዴናን ልዕሊ 300 ሽሕ ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ወሪሮም እናሃለዉ፣ ኣብ ክንዲ ምቅፃዕ ናይ ቦታ ለዉጢ ምግባርኩም ግዕዝይና ክንደየናይ ኣብ ዉሽጥኹም ኔትዊርክ ሰፊሑ ከም ዘሎ ዘግሃደ እዩ ክብሉ ብምረት ምግላፆም ተፈሊጡ።