Thursday, January 10, 2013

ኣብ ድሬደዋ ዩኒቨርሲቲ ዝተለዓለ ተቓውሞ ሲዒቡ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ተደብዲቦም ከም ተኣሰሩ ተፈሊጡ።


-->
    29 ታሕሳስ 2005 ዓ/ም  ኣብ ግዜ ድራር  ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ዝተበገሰ ረብሻ ሲዒቡ ቀፅሪ ጥሒሶም ዝኣተዉ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ እንትድብድቡ፤ ቁፅሮም ብትኽክል ዘይተፈለጡ ተማሃሮ  ሒዞም ከም ዝኣሰርዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነቲ መቋረፂ ዘይነበሮ ምሉእ መሸት ዝቐፀለ ድብደባ ፖሊስ ክፃወርዎ ዘይከኣሉ ንፁሃት ተማሃሮ ብፀልማት ነቲ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ለቒቖም ክወፁ ብምግዳዶም ናብ ኣብያተ ክርስቲያናትን መሳጊድን    ከም ዝተዓቖቡ ተፈሊጡ።
  እዞም ህዝባውነት ዘይስመዖም ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብፀልማት ኣብ ውሽጢ ክፍልታቶም ተሓቢኦም ዝተረፉ ተማሃሮ ይህልዉ እዮም ብዝብል፣ መደቀሲታት እቶም ተማሃሮ ክድህስሱ ከም ዘምሰዩ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፤ ኣብ’ቲ ተፍቲሽ ኣብ ውሽጢ መደቀሲ ተሓቢኦም ዝተረኸቡ ተማሃሮ ብዝኸፈአ ከም ዝተደብደቡን፤ አብዛሓ ተማሃሮ ግና ነቲ ቀፅሪ ለቒቖም ወፅኦም ብምንባሮም ናበይ ከይዶም ኣምፅእዎም ብዝብል ንሕስያ ዘይብሉ ግፍዒ ከም ዝወረዶም ካብ’ቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
  ናይ’ቲ ፀገም መበገሲ ንተማሃሮ ምስ ዝቐርብ ምግቢ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ፣ እቶም ተማሃሮ ዝሓሸ ምግቢ ይዳለወልና ብዝብል ተቓውሞ ምስመዖም ተኸቲሉ፣ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ሽዑ ንሽዑ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ወሪሮም ብምቁፅፃር ኣብ ልዕሊ  ቢሮን ደፍተርን ጥራሕ ዝሓዙ ተማሃሮ ሰፍ ዘይብል  ገበን ምፍፃሞም፣ መቐፀልታ ሕሉፍ ተግባሮም ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
    ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ብዝተበገሰ ናይ ብሄር ግጭት ሲዒቡ ፖሊስ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ከም ዝተጎድኡን ልዕሊ ሚኢቲ ከም ዝተኣሰሩን ይፍለጥ።