Friday, January 4, 2013

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዕጡቛት ሚሊሻታት በቲ ስርዓት ንዝቐርበሎም ዘሎ ስልጠናን ሓለዋን ብትሪ ይቃወምዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

ሰብስልጣን ህወሓት ብሽም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሉፋት ዓመታት ዝሸቀጥሉ ከይኣክል ሎሚ’ዉን ነታ ኣብ ጫፍ ፀድፊ ትርከብ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ፤ ካብ ወረዳ ንላዕሊ ሓልፈቲ ሚሊሻ ብኣስገዳድ ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን 2005 ዓ.ም ኣብ መቐለ ዋላ’ኳ ስልጠና እንተሃቡ፣ እቶም ሚሊሻ ሕጉሳት ከም ዘይኮኑ ካብ’ቶም ተሳተፍቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ወሳነ ወሰን ዶብ ዝርከቡ ኣባላት ሚሊሻን ከባብኦም ባዕሎም ክሕልዉ፣  ኣብ  ማእኸል ዓዲ   ዝርከቡ ኣባላት ሚሊሻ ከኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ነቲ ስርዓት ራሕርሖም ንዝኸዱ ወተሃደራት ንምትካእ ስልጠና የካይዱ እኳ እንተሃለዉ፤ ንሳቶም’ዉን ነቲ ስልጠና እናገደፉ ናብ ዝመሰሎም ይኸዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ ናይቲ ብኣስገዳድ ክዕለሙን ሓለዋ ከካይድን ዝተወሰነሉ ሚሊሻ ነቲ ዝወረደሉ መደብ ብልቢ ስለ ዘይተቐበሎ፣   ሰበ-ስልጣን ህወሓት ቀፃሊ ጎስጓስ ይግበረሎም እኳ እንተሃለወ፣ እቲ ወሪዱ ዘሎ መደብ ከም ዝተሓሰበሉ ክፍፀም ከም ዘይኽእል ፈላጢ ምሽጥር እቲ ጉዳይ  ካብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።