Tuesday, January 8, 2013

ኣብ ዝመፅእ ሚያዝያ ዝካየድ ናይ ከባቢያውን መማለእን መረፃ ኣፈፀምቲ ተባሂሎም ዝምረፁ ዘለው ኣብ ከተማ መቐለ ናይ መረፃ ስነ-ምግባር ዘይተኸተለ ምዃኑ እቶም ኣብ ከተማ መቐለን ኣብ ኩለን ወረዳታታትን ዝተመረፁ ኣፈፀምቲ መረፃ ኩሎም ኣባላት ህውሓት ከም ዝኾኑ እቲ ህዝቢ ድማ ናይ መረፃ ካርድ ዝወስድ ዘሎ ካብ ናይ ፖሊስ ቀጠናታት ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ ልዕሊ እቶም ኣፈፀምቲ ተባሂሎም ዝተመረፁ ሰባት ፖሊስ ገዛ ገዛ እናዘሩ ህዝቢ ናይ መረፃ ካርድ ንክወስድ የገድድዎ እኳ እንተሃለዉ ካርድ ዝወስድ ህዝቢ ውሑድ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ዓይደር ሓላፊ ፖሊስ ዝኾነ ሻለቓ ሙሩፅ (ወዲ ዓድዋ) ብናሃቱ ትእዛዝ ፖሊስ ምስ ናይ ቀበሌ ሰራሕተኛታት ብምዃን ነቲ ህዝቢ ካርድ ክወስድ የገድድዎ  ከም ዘለው እቲ ህዝቢ ድማ “መረፅና ኣይመረፅና ሓደ እዩ፤ ዝመፅእ ለውጢ የለን።” ዝብል ዘሎ እንትኸውን ናይ ክልል ትግራይ ናይ ቦርድ መረፃ ሓላፊ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኣቶ ወንድሙ ጓላ ዝተባሃለ ናይ ወ/ሮ ኣዜብ መስፉን ኣኳኣ ከም ዝኾነን እዚ ድማ ነቲ ካብ ቅድም ኣትሒዞም ብዝምድናን መውስቦም ተኣሳሲሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከብፅሕዎ ዝፀንሑ ግፍዕን በደልን ብምቕፃል ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።