Tuesday, January 8, 2013

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብኣስገዳድ ካብ ዝዕለሙ ዘለው ሚልሻ ሓደ ህይወቱ ብናይ ባዕሉ ብረት ዓርሱ ከም ዘጥፈኣ ተሓቢሩ።


ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ሚልሻ ንምዕላም ዘውፅኦ ትልሚ ንምትግባሩ ዓቕሉ ፀቢብዎ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ሓይሊ ተጠቂሙ ብኣስገዳድ ክዕለሙ እንተገበረ እዉን ፍቃደኛታት ካብ ልቢ ዝኣመንሉ ብዘይ ምዃኖም ካብ ታዕሊም ይጠፍኡ ከም ዘለው እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ  ሓደ ሚልሻ ብናይ ባዕሉ ብረት ሂወቱ እንትስእን ካልኦት ክልተ ተዓለምቲ ምልሻ ካኣ ብከቢድ ቆሲሎም ህይወቶም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዕጡቋት ሚልሻ፣ ብስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ንዝቐርበሎም ስልጠናን ሓለዋን ዝምልከት ፃዊዒት ብትሪ ይቃወምዎ ከም ዘለው ሓቢርና ምንባርና ይዝከር።