Friday, April 5, 2013

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ፅገዓ መንግስቲ መንበሪ ኣባይቲ ሓርስቶት ኣሕዲጉ መዓልቲ ሓሙስ 26 መጋቢት 2005 ዓ/ም ኣብ ዘፍርሰሉ ዝነበረ ብዉሕዱ ሓደ ነባሪ ኣብቲ ምፍራስ ተፀቒጡ ከም ዝሞተ ተገሊፁ፣



እቲ ህዝቢ ንዓመታት ክነብረሉ ዝፀነሐ ገዛዉቱ መንግስቲ ብዘዋፈሮም ኣባላት ፖሊስ፤ ዕጡቛት ምልሻን ካድረታትን ናብቲ ዝፈርስ መንበሪ ኣባይቲ ተዋፍሮም ካብ ትማሊ ወጋሕታ ጀሚሮም ንሰብ ገዛ ብሓይሊ ኣገዲዶም ክፈርስ ይገብሩ ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ፣
እቲ ዝነበረ ከይዲ ምፍራስ ገዛ ብሓይሊ ፀጥታን ምምሕዳርን ተኸቢብካ ግድነት ኣፍርስ ብዝብል ምጉጣጥን፤ ምፍርራሕን ጎነፅ ዝተመልኦ ከም ዝነበረ  ብድፍኢት ሓይሊ ፀጥታ መንግስቲ ኢህወዴግ ልዕሊ 1300 መንበሪ ኣባይቲ ካብ መሰረቶም ስለ ዘፍረሱሎም ዕድመ ዝደፍኡ ወለድን ቆልዓ ሰበይትን ብዘይ መፅለሊ ኣብ በረኻ ተደርብዮም ከም ዝወዓሉን ገና ብሕዚ’ውን ልዕሊ 600 ኣባይቲ ድማ ክፈርሱ ተወዲኢሎም ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣
እዚ ፍፃመ ኣገባብ ዝተኸተለ ብዘይምዃኑ ብስርዓትን ቅጥዕን ክፈርስ ዝገብር ኣካል ብዘይምህልዉ። ሰብ ገዛ ብዘይውኒኦም ንዮ ነጀዉ እንትብሉ እቶም ዝፈረሱ ገዛውቲ ኣብ ልዕሊ ኣካል ሰብ ሓደጋታት ክወርድ ከም ዝወዓለ፣ ብሰንኩ ካዓ ብዉሕዱ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ገዝኡ ተፀቒጡ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ስበ ስልጣን እቲ ስርዓት ከይተረፉ ከም ዝኣመንሉ ተፈሊጡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብርክት ዝበለ ፋይናንሳዉን ንዋታዉን ወፃኢ ጌሮም ዝሃነፅዎ ገዛዉቶም ብዘይሓደ ካሕሳን ብዘይተለዋጢ መሬትን ኣፍሪሱ ኣብ በረኻ ደርብይዎም ዘሎ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት። ፍታሕ ንኽግበረሎም ብወከልቶም ኣቢሎም ክሳብ ሃገራዊ መንግስቲ ጥርዓኖም ኣብ ምቕራብ ከም ዝርከቡ ወሲኾም ገሊፆም፣