Thursday, April 4, 2013

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ካብቲ ዝለዓለ በዓል ሃፍቲ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ዝተሓተ ፅጉም ስድራ ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ካብ ድሌቱ ወፃኢ ገንዘብ ከዋፅእ ይግደድ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።።



ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ወነንቲ ሃፍቲ ዝበሃሉን ሰብ መካይንን ካብ 5 ሽሕ ንላዕሊ ክኸፉሉ። እቶም ምንም ዘይብሎም ድኻታት ድማ ከከም ኩነታቱ እንተወሓደ 50 ብር ክኸፍሉ ከም ዘለዎም ዘገድድ መምርሒ ካብ ዞባ ናብ ወረዳታት ዝተመሓላለፈ እንትኾ’ዉን። ነዚ ዝወረደ መምርሒ ከተግብሩ ዘይከኣሉ ሰብ መኪና ድማ። መኻይኖም ናብ ዝኾነ ስራሕ ከየንቀሳቕሱ ከም ዝተኸልከሉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ  ወሲኹ ኣረዲኡ።።

እቲ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ተመሓላሊፉ ዘሎ ብሽም ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ዝኾነ ስድራ ቤት ትሙን ገንዘብ ንኽኸፍሉ ዘገድድ መምርሒ። ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ’ዉን ብሰፊሑ ይስራሓሉ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ዓቕሚ መኽፈሊ ስኢኖም ይቀነሰልና ወይ ድማ ዓቕሚ የብልናን ኣይንኸፍልን ዝበሉ። በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም ብዝዉሰድ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምትታት ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣

ብተመሳሳሊ ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ስርዓት ብሽም ምጅማር ግድብ ኣባይ መበል 2 ዓመት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ሸበድበድ ንምሽፋን ብዘይሓደ ስራሕ ዘባኽንዎ ዘለዉ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ከይኣክል። ብናህሪ ዋጋ ኣብ ከቢድ ፀገም መነባብሮ ወዲቑ ዘሎ መላእ ሕብረትሰብ ሃገርና ዓቕሙ ዘይምጥኖ ገንዘብ ንኸኽፍልዎ ዝተፈላለያ መተግበርቲ መርበባት ዘርጊሖም ንህዝብና ዓቕሉ ኣፅቢቦምሉ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ የረድእ፣