Friday, April 5, 2013

ኣብያተ ፍርዲ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ዝህብዎ ሕጋዊ ውሳነ ነፃነት ከም ዘይብሎም ካብ’ታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣



እቲ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ዝተረእየ ስልጣንካ ተጠቕምካ ኣብ ስራሕቲ ፍርዲ ኢድካ ምእታዉ። ኣብ ልዕሊ ሻምበል ኪሮስ ፍሳሃ ዝተባሃለ ካብ ሰራዊት ዝተሳናበተ መሬት ወሪርካ ኢኻ ብምባል ከንቲባ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ፍሳሃ ውበት “እቲ መሬት ይተሓደግ” ኢሉ ብዘይ ዝኾነ ድጋፍ ሕጊ ምስ ወሰነ። ነቲ ናሃቱ ተቓባልነት ዘይብሉ ዉሳነ ኣብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ እቲ ግዳይ ምርትዑ ተፈልጡ፣
   በዓል ጉዳይ ሻምበል ኪሮስ በቲ ዕሉል ካድረ ወያነ ዝተዋሃቦ ሕጊ ኣልባ ዉሳነ ንምፍራስ። ፍሳሃ ካሕሳይ ዝተባሃለ ናይ ሕጊ ምሁር ጠበቓ ጌሩ ብምቕራብ። ነቲ ብፍሳሃ ዉበት ዝተመንጠሎ መሬት ኣብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ብኣግባቡ ዝገዝኦ ምዃኑ ተረጋጊፁ መሬቱ ንኽምለሰሉ ሰለ ዝተወስነ። በቲ ሕጋዊ ዉሳነ ዝተቖጠዐ ከንቲባ ነቶም ደያኑ ኣፀዊዑ መን እዩ ከምዚ ዝበለ ዉሳነ ወሲኑ ኢልኩም ኢሉ ብፍርራሕ። ከም ብሓዱሽ ክርእዎ ብምእዛዝ ነቲ ባዕሎም ዝወሰንዎ ንኻልእ እዋን ንኽርእዎ ቆፀሮ ተታሕዚሉ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣  
  ከም ዝፍለጥ ኣብያተ ፍርዲ ዝህብዎ ውሳነ ኣብ ሕጊ ዝተመርኮስ ኮይኑ ዝኾነ ይኹን በዓል ስልጣን ኢዱ ንኸይእቱ ብሕጊ ዝተደንገገ እንትኾን። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣሰርርሓ ኣብ መላእ ሃገርና  ብኢድ ኣታዉነት መራሕቲ ወያነ ኢህወዴግ ጉዳይ ፍትሕን ፍርድን ምዝባዕ ልሙድ  ብተደጋጋሚ ክግለፅ ምፅንሑ ይዝከር፣